Skip to main content

Posts

Showing posts from February, 2017

በዓልቲ ዓዓ

“በዓልቲ ዓዓ” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ።  ሓንቲ በዓል ቤታ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝሞታ ኣረጊት ንግስቲ ሓንቲ ምልክዕቲ ጓል ነበረታ። እታ ጓል ንግስቲ ምስዓበየት ድማ ምስ ሓደ ኣብ ርሑቕ ሃገር ዚቕመጥ ልኡል ተሓጽየት'ሞ መዓልቲ መርዓኣ ስለዚቐረበ ናብ ሃገሩ ክትከይድ ትዳሎ ነበረት። ኣዲኣ ኸኣ ነታ ልእልቲ ምስኣ ትወስዶ ብወርቅን ብሩርን ዚተሰርሑ ስልማትን ካልኦት ኣቑሑን፡ ግሩማት ክዳውንትን መናጽፍን፡ ብሓጺሩ ኩሉ ንኽብርቲ ጓል ንግስቲ ዘድልያ ዘብለ ኣዝዩ ክቡር ነገራት ቀረበትላ፤ ንጓላ ኣዝያ ተፍቅራ ስለዝነበረት ከኣ የማነይቲ ኢዳ 'ትኾናን ናብ ኢድ ልኡል 'ተብጽሓን ከዳሚት ሃበታ። ንኽልቲአን ድማ ነናተን ፈረስ ሃበተን። እቲ ናይ ልእልቲ ፈረስ ፋላዳ ዚስሙ ዀይኑ ኪዛረብ ይኽእል ነበረ። ሓንቲ በዓል ቤታ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝሞታ ኣረጊት ንግስቲ ሓንቲ ምልክዕቲ ጓል ነበረታ። እታ ጓል ንግስቲ ምስዓበየት ድማ ምስ ሓደ ኣብ ርሑቕ ሃገር ዚቕመጥ ልኡል ተሓጽየት'ሞ መዓልቲ መርዓኣ ስለዚቐረበ ናብ ሃገሩ ክትከይድ ትዳሎ ነበረት። ኣዲኣ ኸኣ ነታ ልእልቲ ምስኣ ትወስዶ ብወርቅን ብሩርን ዚተሰርሑ ስልማትን ካልኦት ኣቑሑን፡ ግሩማት ክዳውንትን መናጽፍን፡ ብሓጺሩ ኩሉ ንኽብርቲ ጓል ንግስቲ ዘድልያ ዘብለ ኣዝዩ ክቡር ነገራት ቀረበትላ፤ ንጓላ ኣዝያ ተፍቅራ ስለዝነበረት ከኣ የማነይቲ ኢዳ 'ትኾናን ናብ ኢድ ልኡል 'ተብጽሓን ከዳሚት ሃበታ። ንኽልቲአን ድማ ነናተን ፈረስ ሃበተን። እቲ ናይ ልእልቲ ፈረስ ፋላዳ ዚስሙ ዀይኑ ኪዛረብ ይኽእል ነበረ። እዋን ምብጋ...