“በዓልቲ ዓዓ” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ።
ሓንቲ በዓል ቤታ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝሞታ ኣረጊት ንግስቲ ሓንቲ ምልክዕቲ ጓል ነበረታ። እታ ጓል ንግስቲ ምስዓበየት ድማ ምስ ሓደ ኣብ ርሑቕ ሃገር ዚቕመጥ ልኡል ተሓጽየት'ሞ መዓልቲ መርዓኣ ስለዚቐረበ ናብ ሃገሩ ክትከይድ ትዳሎ ነበረት። ኣዲኣ ኸኣ ነታ ልእልቲ ምስኣ ትወስዶ ብወርቅን ብሩርን ዚተሰርሑ ስልማትን ካልኦት ኣቑሑን፡ ግሩማት ክዳውንትን መናጽፍን፡ ብሓጺሩ ኩሉ ንኽብርቲ ጓል ንግስቲ ዘድልያ ዘብለ ኣዝዩ ክቡር ነገራት ቀረበትላ፤ ንጓላ ኣዝያ ተፍቅራ ስለዝነበረት ከኣ የማነይቲ ኢዳ 'ትኾናን ናብ ኢድ ልኡል 'ተብጽሓን ከዳሚት ሃበታ። ንኽልቲአን ድማ ነናተን ፈረስ ሃበተን። እቲ ናይ ልእልቲ ፈረስ ፋላዳ ዚስሙ ዀይኑ ኪዛረብ ይኽእል ነበረ።
እዋን ምብጋስ ምስኰነ እታ ኣረጊት ንግስቲ ናብ መደቀሲ ክፍላ ከይዳ ንእሽቶ ካራ ገይራ ሒደት ካብ ጸጕራ ቆሪጻ ንጓላ "እዘን ጸጕረይ ፍሉይ ሓይሊ ኣለወን፡ ኣብ መንገድኺ ኪጠቕማኺ ኢየን፡ ስለ'ዚ ብጥንቃቐ ሓዝየን" ኢላ ሀበታ። ኣደን ጓልን ሕንቕንቕ እናበላ ምስተፋነዋ፡ ጓል እተን ጸጕሪ ኣዲኣ ኣብ ኣፍልቢ ቓምሻኣ ቅርቂራ፡ ፈረሳ ተወጢሓ ናብ ንግስነት መርዓዊ ነቐለት።
ንሓደ መዓልቲ ዚኣክል ተጓዒዘን ብጥቓ ሓደ ፈልፋሊ እናሓለፋ'ንከለዋ እታ ልእልቲ ማይ ጸምአት'ሞ ነታ ኸዳሚታ ብትሕትና "ማይ ኪሰቲ ስለዝደለኹ'ስ በታ ወርቂ ብርጭቆይ ገይርኪ ግዳ ካብ'ቲ ዛራ ማይ ኣምጽእለይ" በለታ። "እምቢ፡" በለት'ታ ኸዳሚት "ጸሚእኺ'ንተሊኺ ወሪድኪ ኣብ'ቲ ዛራ ተምበርኪኽኪ ስተዪ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ከዳሚትኪ ኣይኰንኩን።" እታ ልእልቲ ኣዝያ ማይ ጸሚኣ ስለዝነበረት ካብ ፈረሳ ወሪዳ ናብ'ቲ ዛራ ኸይዳ ተምበርኪኻ ሰተየት፤ ኣዝያ ፈሪሓ ስለዝነበረት ከኣ ነታ ወርቂ ብርጭቆኣ'ውን ከተውጽኣ ኣይደለየትን። ነዛ ኸዳሚታ እንታይ ከምትገብራ ዝለዝጨነቓ ኸኣ ኮፍ ኢላ "እንታይ'የ ዝገብሮ" እናበለት በኸየት። እተን ኣስማታውያን ጸጕሪ ኣዲኣ ኸኣ ከም'ዚ ኢለን መለሳላ፤
እንቋዕ ኣይትርኢ ዝወለደትኪ ኣደእታ ልእልቲ ትሕ'ትን ምእዝዝትን ስለዝነበረት ነታ ኸዳሚታ ብዘርኣየቶ ዘይእሩም ጠባይ ከይተዛረበታ ፈረሳ ተወጥሐት።
ልእልቲ'ዶ ብኸዳሚታ ኸም'ዚ ትፍደ
ጉዕዘአን ቀጸላ'ሞ ጸሓይ እናበርተዐት ምስከደት መርዓት መሊሱ ጽምኢ ኺስማዓ ጀመረ። ምወዳእትኡ ኣብ ገምገም ሓደ ወሓዚ ምስበጽሓ ናይ ከዳሚታ ደፋር ዘረባ ስለዝረስዓቶ "በታ ወርቂ ብርጭቆይ ገይርኪ ማይ ክሰቲ ግዳ ሃብኒ" በለታ። እታ ኸዳሚት ግና ካብ ዝሓለፈ ግዜ ንላዕሊ ድፍረት ብዘለዎ ኣዘራርባ "እንተደለኺ ስተዪ'ንተዘይደለኺ ጠንጥንዮ፡ ኣነ ኸዳሚትኪ ኣይኰንኩን" በለታ። እታ ልእልቲ ኣዝያ ማይ ጸሚኣ ስለዝነበረት ካብ ፈረሳ ወሪዳ ናብ'ቲ ዛራ ኸይዳ ተምበርኪኻ፡ ርእሳ ናብ'ቲ ማይ ኣድኒና "እንታይ'የ ዝገብሮ" እናበለት በኸየት። እተን ኣስማታውያን ጸጕሪ ኣዲኣ ኸኣ ዳግም ከም'ዚ ኢለን መለሳላ፤
እንቋዕ ኣይትርኢ ዝወለደትኪ ኣደማይ ክትሰቲ ድንን ምስበለት ድማ እተን ጸጕሪ ኣዲኣ ካብ ኣፍልባ ወዲቐን ከይረኣየተን በቲ ወሓዚ ተወስዳ። እታ ኸዳሚት ግና ነታ ልእልቲ ዚሕግዝ ሽሕር ኣብ'ተን ጸጕሪ ከምዝነበረ ስለዝፈለጠት ወዲቐን ከንሳፍፋ ምስረኣየት ሕጂ ልእልቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽረይ ኢያ ኢላ ተሓጐሰት። ስለ'ዚ ኸኣ እታ መርዓት ማይ ሰትያ ምሰእከለት ንፈረሳ ክትውጥሖ ቅርብ ምስበለቶ እታ ኸዳሚት "ንዒ፡ ፋላዳ ንዓይ ኢዩ፤ ንስኺ እንተደለኺ ነ'ዚ ፈረሰይ ውሰድዮ" ኢላ ንፋላዳ ተወጥሐቶ። ነዊሕ ከይከዳ'ውን እታ ኸዳሚት ንልእልቲ እቲ ምዕሩግ ናይ ጓል ንጉስ ክዳውንታ ቀንጢጣ ንዓኣ ብምውሳድ እቲ ናታ ወዛል ኣረጊት ክዳውንቲ ኸደነታ።
ልእልቲ'ዶ ብኸዳሚታ ኸም'ዚ ትፍደ
ናብ መፈጸምታ ጕዕዘአን ምስቀረባ ድማ እዛ ጠላም ኣገልጋሊት ነ'ብሻኣ "ንዝዀነ ሰብ ብዛዕባ'ዚ እንተነጊርኪ ክቐትለኪ'የ!" ኢላ ኣፈራርሓታ። ፋላዳ ግን ነ'ቲ ኹሉ ዚተፈጸመ ዘበለ ሓደ-ብሓደ ርእዩዎን ሰሚዕዎን ነበረ። እታ ኸዳሚት ኣብ ፋላዳ እታ ናይ ሓቂ መርዓት ድማ ኣብ'ቲ ካልኣይ ፈረስ ተወጢሐን ከኣ ኣብ ኣፍደገ ቤተ-መንግስቲ በጽሓ። በ'ቲ ንጉስን ስድራቤቱን ካልኦት ዕዱማትን ከኣ ኣዝዩ ምዕሩግ ኣቀባብላ ተገብረለን። እቲ ብሃረርታ ኺጽበ ዝጸንሐ ልኡል ነ'ታ ኸዳሚት፡ ንሳ እታ በዓልቲ ቤቱ ትኸውን ጐርዞ ሲላቶ ካብ'ቲ ፈረስ ሓቚፉ ኣውረዳ፡ መሪሕዋ'ውን ናብ መዕረፊ ንጉሳዊ ቤተሰብ ደየበ። እታ ናይ ሓቂ ልእልቲ ግና ኣብ ዘላቶ ኣብ'ቲ ታሕተዋይ ቀጽሪ ክትጸንሕ ተሓበረት።
እቲ ንጉስ ወዝቢ ብመስኰት ተቐልቂሉ እንከሎ ነታ ኣብ'ቲ ቐጽሪ ዚነበረት ጐርዞ ረኣያ፤ ንሳ ኣዝያ ጽብቕቲ ከምኡ'ውን ኣካላታ ከም ናይ ከደምቲ ብዙሕ ስራሕ ዘይለመደ ምዃኑ ምስረኣየ እቲ ንጉስ ነታ ልእልቲ መንነት ናይ'ታ ሒዛታ ዝመጽአት ጓል ኪሓታ ናብ'ቲ ምስ ወዱ የዕሪፋትሉ ዚነበረት ክፍሊ ኸደ። "ኣብ መገዲ ንበይነይ ከይከውን ክተሰንየኒ ዘምጻእኹዋ ጓል ኢያ" ኢላ መለሰት። ብኸንቱ ግዜ ምእንቲ ከይተባኽን ኸኣ ዝኾነ ስራሕ ኺህብዋ ተማሕጸነቶም። እቲ ሽማግለ ንጉስ ቀልጢፉ ስራሕ ኽረኽበላ ኣይከኣለን፡ ጸኒሑ ግና "ዓዓታተይ ዝጓስየለይ ጐበዝ ኣሎ፡ ከይዳ ንዕኡ ትሓግዞ" በለ። ስሙ ናይ'ቲ እዛ ናይ ሓቂ መርዓት ኣብ ምጕሳይ ዓዓታት ንጉስ ክትሕግዞ ዝተባህለት ወዲ ስሙ ኸኣ ኩርድኸን ኢዩ ዚነበረ።
ሽዑ-ንሽዑ እታ ናይ ሓሶት መርዓት ነቲ ልኡል "ክቡር በዓል ቤተይ፡ ሓንቲ ሰናይ ግብሪ ግበረለይ" በለቶ። ንሱ ድማ "ዝደለኽዮ ንገርኒ ክፍጽሞ'የ" በላ። "ንሓደ ካብ ሓራዶኻ እቲ ሰሪረዮ ዝመጻእኹ ፈረስ ዘይምእዙዝ ስለዝዀነ ኣብ መገዲ'ውን ኣዝዩ ስለዘትከኸኒ ርእሱ ክቘርጾ ኣዝዞ" በለቶ። ግደ ሓቂ ግና ፋላዳ ኸይዛረብ'ሞ ኹሉ'ቲ ነታ ልእልቲ ዝገበረታ ኸይነግር ስለዝፈርሐት ኢያ ኸተቕትሎ ዝደለየት። እሙን ፋላዳ ተቐትለ፤ እታ ናይ ሓቂ ልእልቲ ነ'ዚ ምስሰምዐት ግና በኸየት፡ ነቲ ሓራዳይ ከኣ "በጃኻ፡ ንግሆን ምሸትን ኽሓልፍ'ንከሎኹ ምእንቲ ኽርእዮ'ስ ርእሱ ኣብ'ዛ ዓባይ በሪ ስቐሎ" ኢላ ኣትሪራ ለመነቶ። ከም'ቲ ዝደለየቶ'ውን ንርእሲ ፋላዳ ኣብ ሓደ ዓቢ ጸልማት በሪ ናይ'ታ ኸተማ ሰቐለላ።
ንጽባሒቱ ንግሆ እታ ልእልቲ ምስ ኩርድኸን በቲ በሪ እናወጽአት ብትካዘ ኸም'ዚ በለት፤
ፋላዳ፡ ፋላዳ ርእስኻ መስቀልቲ ተፈሪዳእቲ ርእሲ ፈረስ ድማ ኸም'ዚ ኢሉ መለሰ፤
መርዓት መርዓት ኰብኳቢት ዓዓታት፡ድሕሪኡ እታ ልእልትን ኩርድኸንን ነተን ዓዓታት እናዀብኰቡወን ካብ'ቲ ኸተማ ወጽኡ።
እንቋዕ ኣይትርኢ ዝወለደትኪ ኣደ
ልእልቲ'ዶ ብኸዳሚታ ኸም'ዚ ትፍደ
ኣብ'ቲ ሸኻ ምስበጽሑ እታ ልእልቲ ኣብ ሓደ ደንደስ ኮፍ ኢላ ጸጕራ ዘርግሓቶ። ኩርድኸን ነቲ መስመስ ዝብል ወርቃዊ ዚሕብሩ ጸጕራ ምስረኣየ ብኢዱ ኽሕዞ ናብኣ ገጹ ጎየየ። ንሳ ግን ድምጻ ዓው ኣቢላ፤
በርትዕ ብርቱዕ ንፋስ በርትዕበለት። ሽዑ ብርቱዕ ንፋስ ነፊሱ ንኩርድኸን ቆብዑ ወሰደሉ፡ ኩርድኸን ከኣ ከርክባ ደድሕሪኣ እናጎየየ ናብ'ቲ ኹርባ ሓዀረ። ኩርድኸን ቆብዑ ሒዙ ምስተመለሰ ድማ ልእልቲ ድሮ ጸጕራ መሽጣ ሰፈሩ ኣትሒዛቶ ከምዝጸንሐት ምስረኣየ ኣዝዩ ሓረቐ፡ ከይተዛረባ'ውን ወዓለ። ጸሓይ ምስዓረበት ከኣ ዓዓታቶም ኰብኲቦም ንቤቶም ኣምርሑ።
ቦግ ኣብላ ናይ ኩርድኸን ቆብዕ፡
ጸጕረይ ተኣርኒበን ክሳብ ዝእለያ
ይኺድ ይጕየ ቆብዑ የናድያ
ድሕሪኡ ንግሆ'ውን እታ ልእልቲ ምስ ኩርድኸን በቲ በሪ እናወጽአት'ንከላ ናብ ርእሲ ፋላዳ ጠሚታ ኸም'ዚ በለት፤
ፋላዳ፡ ፋላዳ ርእስኻ መስቀልቲ ተፈሪዳ
ንሱ ኸኣ ኸም'ዚ ኢሉ መለሰላ፤
መርዓት መርዓት ኰብኳቢት ዓዓታት፡መገዶም ቀጸሉ'ሞ ኣብ'ቲ ሸኻ ምስበጽሑ ልእልቲ ኣብ'ታ ናይ ትማሊ ደንደስ ኮፍ ኢላ ጸጕራ ዘርጊሓ ክትምሽጦ ጀመረት። ኩርድኸን ሕጂ'ውን ነ'ዚ ምስረኣየ ብኢዱ ኽሕዞ ናብኣ ገጹ ጎየየ። ንሳ ግን ድምጻ ዓው ኣቢላ ዳግማይ፤
እንቋዕ ኣይትርኢ ዝወለደትኪ ኣደ
ልእልቲ'ዶ ብኸዳሚታ ኸም'ዚ ትፍደ
በርትዕ ብርቱዕ ንፋስ በርትዕበለት። ሽዑ እቲ ንፋስ ነፊሱ ንኩርድኸን ቆብዑ ኣውጺኡ ወሰደሉ፡ ኩርድኸን ከኣ ከርክባ ደድሕሪኣ እናጎየየ ናብ'ቲ ኹርባ ሓዀረ። ኩርድኸን ቆብዑ ሒዙ ምስተመለሰ ድማ ልእልቲ ድሮ ጸጕራ መሽጣ ሰፈሩ ኣትሒዛቶ ጸንሐት። ክሳብ ጸሓይ መሬት ዝጽልምት ድማ ውራይ ጕስነቶም ገበሩ።
ቦግ ኣብላ ናይ ኩርድኸን ቆብዕ፡
ጸጕረይ ተኣርኒበን ክሳብ ዝእለያ
ይኺድ ይጕየ ቆብዑ የናድያ
ንምሸቱ ገዛ ምስመጹ፡ ኩርድኸን ናብ'ቲ ሽማግለ ንጉስ ከይዱ "ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ'ዛ ሓዳሽ ጓል ኣይወፍርን'የ" በሎ።
ንጉስ ከኣ "ስለምንታይ፧" ኢሉ ሓተቶ።
"ምሉእ መዓልቲ ክትላገጸለይ ጥራይ ስለ'ትውዕል።"
ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ጓሳ ኩሉ ዘጋጠሞ ከምዚነግሮ ገበረ።
ኩርድኸን ከኣ፡ "ንግሆ ዓዓታትና ኣኪብና በቲ ጸላም በሪ ኽንሓልፍ'ንከለና እናበኸየት ምስ'ቲ ኣብ'ቲ በሪ ተንጠልጢሉ ዘሎ ርእሲ ፈረስ ትዛረብ። ከም'ዚ ኸኣ ትብሎ፤
ፋላዳ፡ ፋላዳእቲ ርእሲ ኸኣ ኸም'ዚ ኢሉ ይምልሰላ፤
ርእስኻ መስቀልቲ ተፈሪዳ
መርዓት መርዓት ኰብኳቢት ዓዓታት፡
እንቋዕ ኣይትርኢ ዝወለደትኪ ኣደቀጺሉ ኩርድኸን ነቲ ንጉስ ኣብ'ቲ ዓዓታት ዘብልዑሉ ሸኻ ዘጋጠሞ የዕለሎ፤ ቆብዑ ብንፋስ ከምዝተወስደት'ሞ ዓዓታቱ ገዲፉ ደድሕሪኣ ኽጐዪ ኸምዝተገደደ'ውን ነገሮ። እቲ ንጉስ ግና ንኩርድኸን ንጽባሒቱ ከም ንቡር ክወፍር ሓበሮ። ንግሆ ምስኰነ ድማ እቲ ንጉስ ኣብ'ታ ጸልማት በሪ ተሓቢኡ ልእልቲ ኽትዛረብ ፋላዳ ድማ ኽምልሰላ'ንከሎ ሰምዖም። ብድሕሪኡ ኸኣ ናብ'ቲ ጐልጎል ከይዱ ብወገን'ቲ ሸኻ ኣብ ዝነበረ ቈጥቋጥ ተሓቢኡ ነዊሕ ከይተጸበየ ነ'ተን ዓዓታት ኣኪቦመን ክመጹ፡ ጸኒሑ ኸኣ ልእልቲ መስመስ ዚብል ጸጕራ ኸምዝዘርግሓቶ ረኣየ። ሽዑ ኸም'ዚ ኽትብል ሰምዓ፤
ልእልቲ'ዶ ብኸዳሚታ ኸም'ዚ ትፍደ
በርትዕ ብርቱዕ ንፋስ በርትዕሽዑ-ንሽዑ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ መጺኡ ንኩርድኸን ቆብዑ ኽምንጥሎ ንሳ ኸኣ ጸጕራ መሽጣ ኽተማዓራሪ ተዓዘበ።
ቦግ ኣብላ ናይ ኩርድኸን ቆብዕ፡
ጸጕረይ ተኣርኒበን ክሳብ ዝእለያ
ይኺድ ይጕየ ቆብዑ የናድያ
ነ'ዚ ኹሉ ምስረኣየ እቲ ሽማግለ ንጉስ ከይተራእየ ናብ ቤቱ ተመሊሱ ክሳብ ምሸት ተጸብዩ ነታ በዓልቲ ዓዓ ጸዊዑ ንምንታይ ከምኡ ኸምዝገበረት ሓተታ። ንሳ ኸኣ ንብዓት እናሰዓራ "ብዛዕባ'ዚ ንዓኻ ወይ ንዝዀነ ኻልእ ሰብ ብጭቕ ኣየብልን'የ። ብህይወት ምንባር ኢዩ ዝሕሸኒ" በለቶ።
ኣረጊት ንጉስ ግና ነቲ ነገር ኣብኡ ኣይሓደጎን፡ ብልመና ቅሳነት ምስከልኣ ኸኣ እታ ሓቀኛ ልእልቲ ነ'ቲ ዘጋጠማ ዘበለ ኹሉ ሓንቲ-ብሓንቲ ዘርዚራ ነገረቶ። ብኡ-ንብኡ ኸኣ እቲ ንጉስ ግቡእ ናይ ልእልቲ ኽዳውንቲ ክኸድኑዋ ኣዘዘ። ንወዱ ጸዊዑ ኸኣ እታ ምስኡ ዘላ ጓል ተራ ኣገልጋሊት ምዃና እታ ናይ ሓቂ ልእልቲ ግና እዚኣ ምዃና ገለጸሉ። ጽባቐኣ ምስረኣየን ኣዝያ ትሕ'ትን ዓቃልን ምንባራ ምስፈለጠን ብሓቂ ተደሰተ። ሽዑ ዋላ-ሓንቲ ኸይበለ ድማ ንኹሉ'ቲ ቤተመንግስቲ ዓቢ ድግስ ክግበር ኣዘዘ።
እቲ መርዓዊ ብሓደ ጎድኑ በ'ታ ናይ ሓሶት ልእልቲ በ'ቲ ኻልኣይ ከኣ በ'ታ ናይ ሓቂ ተዓጅቡ ኣብ ላዕሊ ኾፍ በለ። ብቑንጅናኣን ኣከዳድናኣን ኣዐንዚዛቶም ስለዝነበረት ከኣ ካብ'ቶም ዕዱማት ንሳ እታ በዓልቲ ዓዓ ምንባራ ኸለልያ ዝኸኣለ ሓደ'ኳ ኣይነበረን።
ዝብላዕ በሊዖም ዝስተ ምስሰተዩ እቲ ዓቢ ንጉስ ንሽግር ልእልቲ ከም ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝሰምዖ ጽውጽዋይ ኣምሲሉ ኣዕለሎም። ምስወድአ ድማ ነ'ታ ኸዳሚት "ብሓቂ ኸም'ዚ ዚፈጸመ ሰብ እንተዝህሉ'ስ እንታይ ምፈረድኪዮ፧" በላ።
"ኣብ ንእሽቶ በርሚል ተሰንድያ ብበላሕቲ መሳምር ትወጋእ፡ ክሳብ 'ትመውት ከኣ ብኽልተ ጻዓዱ ኣፍራስ ጽርግያ-ጽርግያ ትጐሰስ ኢለ ምኣዘዝኩ" ብምባል መለሰት እታ ናይ ሓሶት መርዓት።
እቲ ሽማግለ ንጉስ "እምበኣር ተቐባሊት ናይ ፍርድኺ ንስኺ ኢኺ። እዚ ዝበልኪዮ ኹሉ ኣባኺ ክትግበር ኢዩ" በለ።
ብድሕሪኡ እቲ ንእሽቶ ንጉስ ነታ ናይ ሓቂ ሕጽይቱ ተመርዓዋ፡ ኣብ'ቲ ንግስነት ከኣ ክሳብ መፈጸምታ ህይወቶም ብሰላምን ሓጐስን ሰፈኑ።
Comments
Post a Comment