Skip to main content

እስራኤል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤልን ሃገራት ምዕራብን ናይ ዳግመ-ምስፋር ውጥን ተደስክል

ኣብ መንጎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እስራኤልን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንገሊኦም ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ገሊኦም ድማ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ከስፍር ዝዓለመ ውዕል ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ምስ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ንኣሽሓት ኣብ ሃገሩ ናይ ምስጓግን ማእሰርትን ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎ ስደተኛታት ናይ ዳግመ-ምስፋር ስምምዕ ኣደስኪሉዎ።

ቤንያሚን ናታንያሁ ትማሊ (ሰኑይ) ምሸት ኣብ ፌይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ነጥብታት'ዚ ስምምዕ ደጊመ ክሓስበሉ ምእንቲ፡ ንትግባረ ናይ'ቲ ውጥን ከደስክሎ ወሲነ ኣለኹ" ዝበለ፡ እቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝነግር ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ምስተዘርግሐ ድሕሪ ሰዓታት ኢዩ።

ቤት ጽሕፈት'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቐዲሙ 16,000 ስደተኛታት፡ ካናዳ፡ ኢጣልያን ጀርመንን ናብ ዝርከብአን ምዕራባውያን ሃገራት ክሰድድ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ ኔሩ'ዩ።

ቤንያሚን ናታንያሁ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ደረጃ ምርድዳእ" በጺሐ ኢሉ። ብመሰረት'ቲ ስምምዕ እስራኤል ናይ ብዙሓት ካብ'ቶም ካልኦት ስደተኛት ኩነታት'ውን ወግዓውነት ከተልብሶ ኢያ።

እቲ ውሳነ ግና ብኡ-ንብኡ ነቶም ስደተኛታት ካብ እስራኤል ክወጹ ንዝጠልቡ ኣኽረርቲ ዓቃባውያን ከቘጥዖም እንከሎ፡ ኣባላት'ቲ የማናዊ ሰልፊ ሊኩድን ገለ ካብ ሚኒስተራት ካቢነ ቤንያሚን ናታንያሁን ከምዘይተጸበይዎ ተፈሊጡ። ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ናፍታሊ በነት፡ ብመገዲ ትዊተር እዚ መደብ "ንእስራኤል ናብ ገነት ሰለዅቲ ክቕይራ'ዩ" ብምባል ኣጠንቂቑ።

ሓደ ጉጅለ ነበርቲ ናይ'ቲ ብዙሓት ካብ'ቶም ስደተኛታት ዝርከብዎ ደቡብ ተል ኣቪቭ ነቲ ውጥን፡ "ንሃገረ እስራኤል ሕፍረት'ዩ" ክብል ኰኒንዎ'ሎ። ቤንያሚን ናታንያሁ ሰሉስ ምስ ተቐማጦ'ቲ ኸባቢ ክራኸብ ምዃኑ ሓቢሩ።

እስራኤል ብምኽንያት ዘወጠነቶ፡ ስደተኛታት ብገንዘብ ጠቢርካ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምስዳድ፡ ኣካታዒ መደብ ክትንቀፍ ጸኒሓ'ያ። እቲ መስርሕ፡ ኡጋንዳን ርዋንዳን እቲ ምስግጋር ስደተኛታት ብዘይወለንታ'ቶም ገዓዝቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ምስፈለጣ ምእባየንን ካልእን ዝርከቦ ከቢድ ዕንቅፋታት ክገጥሞ ጸኒሑ'ዩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፡ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ተል ኣቪቭ 25,000 ሰባት ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ ብዝቐረበሉ ንሕጋውነት ናይ'ቲ መደብ ዝቃወም ጥርዓን፡ ግዝያዊ እገዳ አሕሊፉ'ዩ።

ብዝሖም ክሳብ 40,000 ዝግመት፡ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራን ስዳንን ዝመጹ ሓተትቲ ዑቝባ ኣብ እስራኤል ይርከቡ። መበገሲ ናይ'ዚ ንነዊሕ ዝቐጸለ፡ ብተደጋጋሚ ሰማሚ ዝዀነ፡ ንመጻኢኦም ዝምልከት ፖለቲካዊ ክትዕ ከኣ ኰይኖም ኣለዉ።

ጸለምቲ ሓተትቲ-ዑቝባ ብቕሉዕ ንእስራኤል ብዓሌትነት ምኽሳሶም፡ ንብዙሓት ጉጅለታት ሓካይም፡ ምሁራት፡ ገጠምቲ፡  ኣብረርቲ ነፋሪት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ሰረርቲ ህልቂት (ሆሎኮውስ)ን፡ እቲ ናይ ምስጓጕ መደብ ክቋረጽ ክጽውዑ ቐሲብዎም'ዩ።

ብዙሓት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ራሕሪሕና ኢና መጺእና ዝብሉ ዝርከብዎም እቶም ስደተኛታት፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ውሑስ ከምዘይኮነ'ኳ ብተደጋጋሚ እንተገለጹ፡ እስራኤል ናይ ምዕቋቦም ሓላፍነት ከምዘይብላ'ዩ መንግስቲ ዝምልስ።

ንውሳነ ላዕልወአይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ዝነኣደ፡ ሓተትቲ-ዑቝባ ከይስጐጉ ዝጽውዕ ምንቅስቓስ፡ "እዚ ስምምዕ ብዘይ'ተን ዓሰርተታት ማሕበራትን ኣበርክቶ ብዙሓት ኣባላት ህዝብን ኣይምተበጽሐን ኔሩ፡" ኢሉ።

እቲ ጕጅለ ወሲኹ፡ "እስራኤል ክትክሕስ፡ ሓላፍነታዊ ፖሊሲ ክትምስርት፡ ስደተኛታት ምስ ሕብረተሰብ ዝወሃሃድሉ ባይታ ክትፈጥር፡ ጠለባት ዑቝባ-ምሕታት ብዕቱብ ክትሕዝን ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ዝርከብዎ ከባቢ ደቡብ ተል ኣቪቭ ክተመሓይሽን ዕድል ረኺባ'ላ፡" ኢሉ።

ጀርመንን ኢጣልያን ግና ብዛዕባ ዝኾነ ናይ ዳግመ-ሰፈራ ስምምዕ ኣፍልጦ ከምዘይብለን ገሊጸን።

ምስ ቤናያሚን ናታንያሁ ኰይኑ ብሰኑይ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ኣርየ ደሪ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንነፍስወከፍ እስራኤል ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እትህቦ ስደተኛ እቲ ውድብ ሓደ ካልእ ስደተኛ ናብ ሃገራት ምዕራብ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።

"ናብ ከባቢ ደቡብ ተል ኣቪቭ ከይደ ንስቓይ ናይ'ቶም ኣብኡ ዝቕመጡ እስራኤላውያን ርእየዮ ኢየ፡" ይብል እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር፡ "ነቲ ጸገም ክንኣልዮ ድማ ወሲንና። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቶም ስደተኛታት ክኸድዎ ናብ ዘይደልዩ ሃገር ከይነግዕዞም ስለዝኣገደና ግና ካልእ ፍታሕ ክነናዲ ኢና ተገዲድና።"

እንተኰነ ግን፡ ትግባረ ውዕል ቤንያሚን ናታንያሁ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘየገድስ፡ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ብግዳድ ናይ ምግዓዝ መደብ ከምዘይበራበር ርዱእ ኰይኑ'ሎ።

እቶም ስደተኛታት ካብ 2005 ኣትሒዞም'ዮም በቲ ንእስራኤል ምስ ግብጺ ዘራኽባ ደቡባዊ ዶብ ናብ'ታ ሃገር ክኣትዉ ጀሚሮም። ኣብ 2012 ነቲ ዶብ ምሉእ-ብምሉእ ሓጺራ ቅድሚ ምውዳኣ ድማ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ምድረበዳ ሰጊሮም ናብ እስራኤል ኣትዮም።

ምንጪ
The Guardian

Haaretz.com
972mag.com

Comments

Popular posts from this blog

ዑፍ ወርቂ

“ዑፍ ወርቂ” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ሓደ ንጉስ ኣዝዩ ምልኩዕ ጀርዲን ነበሮ፡ ኣብ ማእኸል'ቲ ጀርዲን ከኣ ወርቂ ቱፋሕ 'ተፍሪ ገረብ ነበረት። አቶም ናይ ንጉስ ሰራሕተኛታት ድማ ነተን ቱፋሕ ምሸት-ምሸት ይቘጽርወን ነበሩ። ዝበስላሉ እዋን ምስቀረበ ለይቲ ለይቲ ሓሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ጐዲለን ይሓድራ ነበራ። እቲ ንጉስ ነዚ ምስሰምዐ ኣዝዩ ሓረቐ፡ ነቲ ዀስኳሳይ ጸዊዑ ድማ ለይቲ-ለይቲ ነታ ገረብ ክሕልዋ ኣዘዞ። እቲ ዀስኳሳይ ድማ ነቲ ዝዓበየ ወዱ ጸዊዑ ነታ ገረብ ኣብ ትሕቲኣ ዀይኑ ኽሕልዋ ለኣኾ። ወዱ ግና ፍርቂ ለይቲ ምስኣኸለ ድቃስ ወሰዶ'ሞ ምስወግሐ ሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ኸምዝጠፍአት ረኣየ። ሽዑ'ቲ ዀስኳሳይ ነቲ ኻልኣይ ወዱ ሓለዋ ክሓድር ሰደዶ። እንተኾነ ግን እዚ'ውን  ፍርቂ ለይቲ ምስኣኸለ ድቃስ ወሰዶ። መሬት ምስወግሐ ሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ከምዝጠፍአት ረኣየ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሳልሳይ ወዲ ዀስኳሳይ መጺኡ፡ "ኣቦ፡ ኣነ ኽሕልዋ'የ፡ ነቲ ሰራቒ 'ኸይረኸብክዎ ፈጺመ ኣይክድቅስን'የ" በሎ፡፡ ኣቡኡ ግና ወዱ ገና ንእሽቶ ስለዝነበረ ዝዀነ ሓደጋ ኸይገጥሞ ፈሪሑ ኣበዮ፡ ድሕሪ ነዊሕ ልመና ጥራይ ድማ ኽሕሉ ፈቐደሉ። እቲ ሕሳስ ልደ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ተሓቢኡ ሓለዋ ወጽአ። ፍርቂ ለይቲ ምስሓለፈ ገለ ድምጺ ሰምዐ'ሞ ቍሊሕ እንተበለ መስ-መስ'ትብል ወርቃዊት ዑፍ ናብኡ ገጻ ኽትነፍር ረኣየ። ኣብ'ታ ገረብ ቱፋሕ በጺሓ ብመትኮባ ገይራ ሓንቲ ቱፋሕ ኽትስሕብ ምስጀመረት ከኣ ብድድ ኢሉ መንትጉ ኣልዒሉ ፍላጻ ወ...

ሃንሰልን ግረተልን

“ሃንሰልን ግረተልን” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣብ ሓደ ገፊሕ ጫካ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ካብ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ዝወለዶም ደቁን፡ ሓደ ፈላጽ-ዕንጨይቲ ይቕመጥ ነበረ። ደቁ ኸኣ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ሃንሰል እታ ምንኣሱ ጓል ከኣ ግረተል ይበሃሉ ነበሩ። ኣዝዮም ድኻታት ስለዝነበሩ እኹል ዝብላዕ ረኺቦም ኣይፈልጡን ኢዮም። ዓዶም ጥሜት ምሰ'ጥቅዖ ኸኣ ኣቦኦም ብጭንቀጥ ከይደቀሰ ይሓድር ነበረ። ንበዓልቲ ቤቱ'ውን ደጋጊሙ "እንታይ ኢና ንገብሮ፧ ንርእስና እኹል ዝብላዕ ዘይብልና'ስ ነ'ዞም ደቅና'ኸ እንታይ ኢና ከነብልዖም፧" ይብላ ነበረ። ሓንቲ መዓልቲ ኸኣ በዓልቲ ቤቱ "ስማዕ በል፡ 'ንገብሮ ባዕለይ ክነግረካ'የ።" በለቶ፤ "ኣንጊህና ተንሲእና ነዞም ቈልዑ ሒዝናዮም ናብ'ቲ ዕሙር ማእከላይ ሸነኽ ናይ'ዚ ጫካ ንኸይድ። ሽዑ ኣብኡ ኽይቈ'ሩ ሓዊ ኣጒድና ናንእሽቶ ቕጫ ሂብናዮም ናብ ስራሕና ንወፍር። መሬት ምስመሰየ ንሕና ገዛና ንኣቱ፡ ንሳቶም ግና ክረኽቡና ስለዘይክእሉ ብኡ ኣቢሎም ይጠፍኡልና፤ ንስኻን ኣነን ድማ ሓራ ንኸውን።" ኣቦኦም ግና ሰንቢዱ፡ "ኣይፋልክን! ደቀይ ኣብ በረኻ ደርብየ ኣይከይድን'የ። ንስኺ'ኸ ነብስኺ ከመይ'ሉ ኽገብረልኪ፧ ኣራዊት በጃጅሎም ክበልዑዎም እንድዮም" ብምባል ኣበያ። ንሳ ኸኣ፡ "በል ነ'ርባዕቴና ሳንዱቕ ሬሳ ስርሓልና፡ ምኽንያቱ ኩልና ንበልዖ ስኢ'ና ኽንመውት ኢና።" ኣናበለት ለይትን...