ሓደ ንጉስ ኣዝዩ ምልኩዕ ጀርዲን ነበሮ፡ ኣብ ማእኸል'ቲ ጀርዲን ከኣ ወርቂ ቱፋሕ 'ተፍሪ ገረብ ነበረት። አቶም ናይ ንጉስ ሰራሕተኛታት ድማ ነተን ቱፋሕ ምሸት-ምሸት ይቘጽርወን ነበሩ። ዝበስላሉ እዋን ምስቀረበ ለይቲ ለይቲ ሓሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ጐዲለን ይሓድራ ነበራ። እቲ ንጉስ ነዚ ምስሰምዐ ኣዝዩ ሓረቐ፡ ነቲ ዀስኳሳይ ጸዊዑ ድማ ለይቲ-ለይቲ ነታ ገረብ ክሕልዋ ኣዘዞ።“ዑፍ ወርቂ” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ።
እቲ ዀስኳሳይ ድማ ነቲ ዝዓበየ ወዱ ጸዊዑ ነታ ገረብ ኣብ ትሕቲኣ ዀይኑ ኽሕልዋ ለኣኾ። ወዱ ግና ፍርቂ ለይቲ ምስኣኸለ ድቃስ ወሰዶ'ሞ ምስወግሐ ሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ኸምዝጠፍአት ረኣየ። ሽዑ'ቲ ዀስኳሳይ ነቲ ኻልኣይ ወዱ ሓለዋ ክሓድር ሰደዶ። እንተኾነ ግን እዚ'ውን ፍርቂ ለይቲ ምስኣኸለ ድቃስ ወሰዶ። መሬት ምስወግሐ ሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ከምዝጠፍአት ረኣየ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሳልሳይ ወዲ ዀስኳሳይ መጺኡ፡ "ኣቦ፡ ኣነ ኽሕልዋ'የ፡ ነቲ ሰራቒ 'ኸይረኸብክዎ ፈጺመ ኣይክድቅስን'የ" በሎ፡፡ ኣቡኡ ግና ወዱ ገና ንእሽቶ ስለዝነበረ ዝዀነ ሓደጋ ኸይገጥሞ ፈሪሑ ኣበዮ፡ ድሕሪ ነዊሕ ልመና ጥራይ ድማ ኽሕሉ ፈቐደሉ።
እቲ ሕሳስ ልደ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ተሓቢኡ ሓለዋ ወጽአ። ፍርቂ ለይቲ ምስሓለፈ ገለ ድምጺ ሰምዐ'ሞ ቍሊሕ እንተበለ መስ-መስ'ትብል ወርቃዊት ዑፍ ናብኡ ገጻ ኽትነፍር ረኣየ። ኣብ'ታ ገረብ ቱፋሕ በጺሓ ብመትኮባ ገይራ ሓንቲ ቱፋሕ ኽትስሕብ ምስጀመረት ከኣ ብድድ ኢሉ መንትጉ ኣልዒሉ ፍላጻ ወንጨፈላ። እታ ዑፍ ግና በታ ፍላጻ ኸይተጐድአት ካብ ጭራኣ ሓንቲ ወርቃዊት ክንቲት ጥራይ ኣውዲቓ ኸደት።
መሬት ምስወግሐ እታ ኽንቲት ናብ ንጉስ ተወስደት'ሞ ንሱ ድማ ኣማኸርቱ ኣኪቡ ኣርኣዮም። እቶም ኣማኸርቱ ዋጋ'ታ ወርቃዊት ክንቲት ልዕሊ ኹሉ ሃብቲ ናይ'ቲ ንግስነት ምዃኑ ተሰማምዑ። እቲ ንጉስ ግና፡ "ሓንቲ ኽንቲት ተርብሓኒ የብላን! እታ ዑፍ ባዕላ ኣምጽኡለይ!" በሎም።
እቲ በዅሪ ወዲ ዀስኳሳይ "ሕጂ-ሕጂ ኽረኽባ'የ!" ኢሉ ተሃንዲዱ ነታ ዑፍ ወርቂ ኸናድያ ተበገሰ። ነዊሕ ኸይከደ ድማ ኣብ ደረት ጫካ ሓደ ወኻርያ ኮፍ ኢሉ ረኣየ። ክትኩሰሉ ኢሉ መንትጉ ምሰዋደደ ድማ እቲ ወኻርያ ከም'ዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ "ሕደግ ኣይትተኵሰለይ! ኣነ ዝህበካ ምኽሪ ኣሎኒ፡ ነታ ዑፍ ወርቂ ተናዲ ኸምዘለኻ ፈሊጠ ኣለኹ። ጽሓይ ምስዓረበት ኣብ መገድኻ ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ኽትረክብ ኢኻ፡ ኣብ'ታ ዓዲ ምስኣተኻ ክልተ መዕረፍ ኣጋይሽ ፊት-ንፊት ክጸንሓኻ ኢየን። እታ ሓንቲ ምዕርግትን ምሹውትን ኢያ፡ ኣብኣ ግና ኣይትእቶ። ኣብ'ታ ድኻን ብላይን ካልኣይቲ መዕረፍ ኣጋይሽ'ድኣ ሕደር።"
እቲ ወዲ ግና፡ 'ኣራዊት ወኻርያ'ኸ እንታይ ኣፍሊጥዎ ኢዩ!' ኢሉ መንትጉ ኣልዒሉ ፍላጻ ወንጨፈሉ፡ ሰሓቶ ግዳ። እቲ ወኻርያ ጭራኡ ናብ ሕቝኡ ሰቒሉ ናብ'ቲ ጫካ ሃደመ። ወዲ ዀስኳሳይ መገዱ ቐጸለ፤ ኣጋ ምሸት ኣብ'ታ ዓዲ ምስበጽሐ ድማ ልክዕ ከም'ታ እቲ ወኻርያ ዝገለጸሉ፡ ክልተ መዕረፍ ኣጋይሽ--ሓንቲአን ተሓጒሶም ብዝስዕስዑን ዚዕንድሩን ሰባት ዝመልአት ምልክዕትን ሃብታምን፡ እታ ኻልአይቲ ድማ ጋሻ ዳርጋ ዘይነበራ፡ ጠቃርን ድኻን ገዛ--ፊተ-ፊት ጸንሐኦ። 'ኣዒንተይ ነዛ ብልጽቲ ሆቴል ምስ ሽሻያ እናረኣያ'ስ ናብ'ዛ ድብነት ክኣቱ፧' ኢሉ ናብ'ታ ምዕርግቲ መዕረፍ ኣጋይሽ ኣተወ። በሊዑን ሰትዩን ምስጸገበ ድማ ምስ'ቶም ኣብኡ ዝጸንሑዎ ሰባት ክዘናጋዕ ነታ ዑፍ ወርቅን ዓዱን ረስዐ።
ከምኡ ኢሉ ነዊሕ ግዜ ምስሓለፈ፡ እቲ ዀስኳሳይ ድሃይ ቦዅሪ ወዱ ስለዝሰኣነ ምስኡ ተሪፎም ካብ ዝነበሩ ክልተ ደቁ ነቲ ዓቢ ሓዉ ኸናዲ ብኡ ኣቢሉ ድማ ነታ ዑፍ ወርቂ እንተረኸባ ኢሉ ሰደዶ። ንሱ ግና ልክዕ ኸም ናይ ዓቢ ሓዉ ኩነታት ኢዩ ዝገጠሞ። እቲ ለባም ወኻርያ ጠቓሚ ምኽሪ ለገሰሉ፡ ንሱ ግና ክቐትሎ ፈተነ፡ እቲ ወኻርያ'ውን ኣምለጠ። ኣብ'ታ እተን ክልተ መዕረፍ ኣጋይሽ ዘለዋኣ ዓዲ ምስበጽሐ እቲ ዓቢ ሓዉ ብመስኮት'ታ ናይ ፈንጠዝያ ገዛ ተቐልቂሉ ጸውዖ። ኣብኡ ዝነበረ መግብን መስተን ዳንኬራን ኣዝዩ ስለዝሰሓቦ ድማ ናብኣ ኣተወ ብኡ-ንብኡ ውን ነታ ዑፍ ወርቅን ንሃገሩን ብጠቕላላ ረሲዑ ምስ ሓዉ ኣብ'ታ መዕረፍ ኣጋይሽ ክቕመጥ ጀመረ።
ሕጂ'ውን ኰስኳሳይ ደሃይ ክልተ ደቁ ኸይረኸበ ነዊሕ እዋን ሐለፈ። እቲ ምስኡ ተሪፉ ዝነበረ እንኮ ወዱ፡ 'ኣሕዋተይ ከናድዮም ክኸይድ ፍቐደለይ' እናበለ ብተደጋጋሚ ይልምኖ'ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ነቲ ንእሽቶ ወዱ ኣዝዩ ስልዘፍቅሮን ከም'ቶም ዓበይቲ የሕዋቱ ገለ ሕማቕ ዕጫ ገጢምዎ ብዝኸዶ ኸይተመልሰ ኸይተርፍ ይፈርሕ ስለዝነበረን ምስዳድ ኣበዮ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ዀስኳሳይ በቲ ሓደ ወገን ናፍቘት'ቶም ክልተ ዓበይቲ ደቁ ስለዘሳቐዮ፡ በቲ ኻልእ ድማ ሕሳስ-ልደ ወዱ ለይትን-መዓልትን ብዛዕብ የሕዋቱ ኽዛረብ ድቃስ ስለዝኸልኦ፡ ዳርጋ ኸይፈተወ ንኽልቲኦም የሕዋቱን ነታ ዑፍ ወርቅን ክደሊ ኣፋነዎ።
ኣብ ጉዕዝኡ ድማ እቲ ወኻርያ ረኸቦ'ሞ እቲ ልሙድ ምኽሩ ሃቦ፡ ንሱ ግና ነቲ እንስሳ ኣመስገኖ'ድኣ'ምበር ከም'ቲ ኣሕዋቱ ዝገበርዎ ክቐትሎ ኣይፈተነን። እቲ ወኻርያ ነዚ ምስረኣየ፡ ነዓ ኣብ ጭራይ ተወጣሕ'ሞ ቀልጢፍና ነዊሕ ምገዲ ኽንከይድ ኢና በሎ። እቲ ወዲ ኸምኡ ገበረ፡ ንፋስ ብጸጕሮም ክሳብ ዝፋጺ ኸኣ ብሩባን ኩርባን ብናህሪ ነፈጹ።
ኣብ'ታ ዓዲ-ኽልተ-መዕረፍ-ኣጋይሽ ምስበጽሐ እቲ ወዲ ዀስኳሳይ ዝተዋህቡ ምኽሪ ብምኽታል፡ ቍሊሕ-ምሊሕ ኸይበለ፡ ናብታ ድኻ መዕረፍ ኣጋይሽ ኣተወ። የዕሪፉ ምስሓደረ እቲ ወኻርያ ንግሆ መጺኡ ኣበራበሮ።
ጉዕዝኡ ኽቕጽል እናተበገሰ'ንከሎ ድማ እቲ ወኻርያ፡ "ሕጂ ኣብ ሓደ ግምቢ ኽሳብ'ትበጽሕ ትኽ ኢልካ ኺድ። ኣብኡ ምስበጻሕኻ ብዙሓት ወተሃደራት ደቂሶም ክሕርንኹ ኽጸንሑኻ'ዮም፡ ግዲ ኣይትሃቦም። ንዓኣቶም ሓሊፍካ፡ ሓንቲ ኽልተ ጋብያታት ዝሓዘ ዓቢ ጣውላ ዘለዋ ገፋሕ ኽፍሊ ክሳብ'ትረክብ ትኽ ኢልካ ናብ ውሽጢ'ቲ ግምቢ እቶ፡፡ እታ ዑፍ ወርቂ ኣብ'ታ ኻብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐት ጋብያ ኽትጸንሓካ ኢያ። ኣብ ጥቓኣ ድማ ኻብ ወርቂ ዝተሰርሐት ጋብያ ኣላ፡ ሓደራኻ! ነታ ዑፍ ናብ'ታ ወርቃዊት ጋብያ ኸተስግራ ኸይትፍትን። ኣነ'ብለካ ኣለኹ! ከምኡ እንተጌርካ ኽትጠዓስ ኢኻ" በሎ።
ድሕሪኡ እቲ ወዲ ኣብ ጭራ ናይ'ቲ ወኻርያ ኮፍ በለ'ሞ ኽልቲኦም ንፋስ ብጸጕሮም ክሳብ ዝፋጺ ብሩባን ኩርባን ብናህሪ ነፈጹ።
ናብ'ቲ ግምቢ ምስቀረቡ እቲ ወኻርያ ተፋንዩዎ ኸደ፡ እቲ ወድ ዀስኳሳይ ኣብ'ቲ ኣፍደገ ምበጽሐ ልክዕ ኸም'ቲ እቲ ወኻርያ ዝነገሮ እቶም ወተሃደራት ደቂሶም ክሕርንኹ ጸንሕዎ። ሰላሕ ኢሉ ንዕኦም ሓሊፉ ናብ'ታ ኽልተ ጋብያታት ዝሓዘት ክፍሊ ኣምርሐ። ኣብኣ ድማ እታ ዑፍ ወርቂ ኣብ ጋብያ ዕንጸይቲ ኣትያ ረኣየ፡ ኣብ ጥቓኣ መስ-መስ'ትብል ስረሓት ጽሩይ ወርቂ ዝዀነት ድልድልቲ ጋብያ ነበረት። ኣብ እግሪ'ተን ጋብያታት ድማ እተን ካብ'ቲ ኣቡኡ ዝሰርሓሉ ጀርዲን ዝጠፍኣ ሰለስተ ወርቂ ቱፋሕ ነበራ። እቲ ወዲ ዀስኳሳይ ነዚ ምስረኣየ፡ 'ነዚኣ'ትመስል ዑፍ ወርቂ'ሲ ኣብ'ዛ ነይናይ ጋብያ ዕንጨይቲ ሒዘያ ክኸይድ!' ኢሉ ነተን ጋብያታት ከፊቱ ነታ ዑፍ ናብ'ታ ጋብያ ወርቂ ኸግዕዛ ኢሉ ትንክፍ ምሰበላ ብብርቱዕ ድምጺ ወጨጨት፡ ነቶም ደቂሶም ዝነበሩ ወተሃደራት'ውን ኣበራበረቶም። ንሳቶም ከኣ መጺኦም ነቲ ወዲ መቚሖም ናብ ንጉሶም ኣቕረብዎ።
ንጽባሒቱ ንግሆ እቲ ንጉስ ነቲ ወዲ ኽፍረድ መጋባእይኡ ጸውዐ። እቶም ነባሮ ድማ ፈረስ ወርቂ ክኽሕስ፡ ከምኡ እንተዘይጌሩ ድማ ክቕተል ፈረድዎ። እቲ ፈረስ ወርቂ ኽጋልብ'ንከሎ ካብ ንፋስ ንላዕሊ ኸምዝጐዪ ይንገረሉ ነበረ። ሽዑ እቲ ንጉስ፡ "ነዚ ንእዝዘካ ዘሎና ፈረስ እንት'ምጺእኻለይ እታ ዑፍ ወርቂ ኽህበካ ኢየ" በሎ።
ወድ-ዀስኳሳይ ብተግባሩ እናተጣዕሰ ብዘጋጠሞ እናሓዘነ ድማ መገዱ ኽጅምር እናተበገሰ ሃንደበት እቲ ወኻርያ ደበኽ በለ። "ዝብለካ ዕሽሽ ኢልካ ኣንጻር ምኽረይ እንተኼድካ እንታይ ከምዘጋጥም ተረዲእካ'ዶ፧" ድማ በሎ። ወሲኹ እቲ ወኻርያ፡ "ሕጂ'ውን እንተኾነ ነቲ ፈረስ ወርቂ ኽትረኽቦ ኽሕግዘካ ኢየ፡ ዝህበካ መምርሒ ግና ኵሉ ኣተግብሮ። ሓደ ዓቢ ግምቢ ክሳብ'ትረክብ ትኽ ኢልካ ኺድ። ኣብኡ ምስኣተኻ እቲ ፈረስ ወርቂ ኣብ ቀጽሪ'ቲ ግምቢ ኣብ ጋጹ ተዓጽዩ ኽጸንሓካ'ዮ። ኣብ ጐድኑ ድማ መርዓዊ ኣብ ዀረሻ ወርቂ ተተርኢሱ ደቂሱ ይሕርንኽ ኣሎ። ድምጺ ኸየስማዕኻ ነቲ ፈረስ ኣውጽኣዮ። እታ ኣብ ጥቕኡ ትጸንሓካ ኣረጊት ኰረሻ ቔርበት ጌርካ'ድኣ እምበር በታ ዀረሻ ወርቂ ኽትውጥሖ ኢልካ ኸይትሓስብ" በሎ።
ድሕሪኡ እቲ ወዲ ኣብ ጭራ ናይ'ቲ ወኻርያ ኮፍ በለ'ሞ ኽልቲኦም ንፋስ ብጸጕሮም ክሳብ ዝፋጺ ድማ ብሩባን ኩርባን ብናህሪ ነፈጹ።
ኣብ'ቲ ግምቢ ምስበጽሐ፡ እቲ መርዓዊ ኣብ ጥቓ ፈረሱ ቕልጽሙ ኣብ'ታ ዀረሻ ወርቂ ኣተርኢሱ ደቂሱ ጸንሖ። 'ፈረስ ወርቂ ወርቃዊ ዀረሻ 'ድኣ'ምበር ብላይ ቈርበት ኣይኰነን ዝግብኦ' ኢሉ ብምሕሳብ ነታ ዀረሻ ወርቂ ኸልዕላ ኽብል ነቲ መርዓዊ ኣበራበሮ። እቲ መርዓዊ ድማ ዓው ኢሉ ብምጭዳር ወተሃደራት ጸውዐ፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ወዲ ዀስኳሳይ ኣሲሮሞ ሓዲርም ንጽባሒቱ ናብ ንጉሶም ኣቕረብዎ።
ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ወዲ ዀስኳሳይ ኽፍረድ መጋባእይኡ ጸውዐ። እቶም ነባሮ ድማ ነታ ምልክዕቲ ልእልቲ ከምጽኣ፡ ከምኡ እንተዘይጌሩ ድማ ክቕተል ፈረድዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ "እዛ ንእዝዘካ ዘሎና ልእልቲ እንት'ምጺእኻያ እቲ ፈረስ ወርቂ ክህበካ ኢየ" በሎ።
እቲ ወዲ ዀስኳሳይ ብዝገበሮ እናተጣዕሰ ብዘጋጠሞ ድማ እናሓዘነ መገዱ ኽጅምር ተዳለወ'ሞ ወዮ ወኻርያ ህሩጕ ኢሉ፡ "ስለምንታይ ኢኻ ዝህበካ ምኽሪ ዘይተኽብር፧ ዝበልኩኻ ጌርካ እንተትኸውን ክልቲኦም እቶም ዑፍን ፈረስን ሒዝካ ሕጂ ንዓድኻ ትምለስ ምሃለኻ ኔርካ" በሎ። ቀጺሉ እቲ ወኻርያ፡ "ኣነ ግና ሕጂ'ውን ነታ ልእልቲ ኽትረኽባ ኽሕግዘካ ኢየ። ሓደ ዓቢ ግምቢ ክሳብ 'ትረክብ ትኽ ኢልካ ኪድ። ኣብኡ ምስኣተኻ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ እታ ልእልቲ ኣካላታ ኽትሕጸብ ናብ ክፍሊ ባኞ ኽትከይድ ኢያ። ኣብ ኣፍደገ'ቲ ኽፍሊ መሕጸብ ሰብነት ጸኒሕካ ሓቚፍካ ስዓማ፡ ንሳ ድማ ሕራይ ኢላ ምሳኻ ኽትከይድ ኢያ። ቅድም ንኣቦይን ኣደይን ክፋነዎም እንተኢላትካ ግና ከይትሰ'ዳ" በሎ። ድሕሪኡ እቲ ወዲ ኣብ ጭራ ናይ'ቲ ወኻርያ ኮፍ በለ'ሞ ኽልቲኦም ንፋስ ብጸጕሮም ክሳብ ዝፋጺ ድማ ብሩባን ኩርባን ብናህሪ ነፈጹ።
ፍርቂ ለይቲ ምስኰነ እቲ መንእሰይ ነታ ልእልቲ ኣብ ኣፍደገ ኽፍሊ መሕጸብ ሰብነት ተጸብዩ ሓቚፉ ሰዓማ። ምስኡ ሒዝዋ ክኸይድ ከምዝደሊ ምስገለጸላ ድማ ተሰማሚዓ ተበገሰት። እታ ልእልቲ ሽዑ፡ "ኣቦይን ኣደይን ኣብ መዳቕሶኦም ኣለዉ'ሞ ተፋንየዮም ክመጽእ እየ" በለቶ። መጀመርታ ምኽሪ ናይ'ቲ ወኻርያ ምእምንቲ ኸየዕብር'ኳ እንተኣበያ፡ እናበኸየት ኣብ እግሩ ወዲቓ፡ ኣትሪራ ምስለመነቶ ግና ንወለዳ ኽትፋነዎም ፈቐደላ። ናብ መደቀሲ ኽፍሊ ኣቡኡ ምስኣተወት ከኣ እቶም ወተሃደራት ተበራበሩ'ሞ ነቲ ወዲ ዀስኳሳይ ኣሰርዎ።
ንጽባሒቱ ነቲ እሱር ናብ ንጉስ ኣቕረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ "ንስኻ ጓለይ ክትወስዳ እንተደሊኻ ነዚ ኣብ ድሕሪ ገዛይ ኰይኑ ብርሃን ከሊኡኒ ዘሎ ጎቦ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ማዓልታት መድሚድካ እለዮ። እንተዘይኰይኑ ድማ ንሞት ፈሪደካ ኣለኹ" በሎ። እቲ ኣብ ድሕሪ'ቲ ግምቢ ዝነበረ ጎቦ ኣዝዩ ዓቢ ብምዃኑ ኣሽንኳይ'ዶ ብሓደ ሰብ ብዓዲ ምሉእ'ውን ከፈርስ ዝኽእል ኣይነበርረን። እቲ ወዲ ግና 'ንካብ ፍርዲ ሞት ብደወይ ዝቕበል ኢሉ ነቲ ጎቦ ምፍራስ ተተሓሓዞ።
ንሸውዓተ መዓልታት ደኺመ ኸይበለ ኣበርቲዑ ሰርሐ። እንተኾነ ግን እቲ ጎቦ ምንቕ ኣይበለን። ንምሸቱ እቲ ወኻርያ መጺኡ፡ "በል ንስኻ ደኺምካ ኢኻ ኪድ ደቅስ። ኣነ ኸብርየካ እየ" ኢሉ ንዑኡ ኣፋንዩ ኸፍርስ ጀመረ። እቲ መንእሰይ ድማ ተስፋ ቘሪጹ ሓደረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ንግዳም እንተወጽአ ግና እቲ ጎቦ ዘየሎ ጸንሖ። እናጐየየ ናብቲ ንጉስ ብምኻድ ድማ፡ "እቲ ጎቦ ጐልጐል ኰይኑ ኢዩ፡ ስለ'ዚ ጓልኩም ሃቡኒ" በሎ። እቲ ንጉስ ድማ ቃሉ ንምኽባር ነታ ልእልቲ መሪቑ ምስ'ቲ ወዲ ዀስኳሳይ ሰደዳ።
ክልቲኦም ተተሓሒዞም እናኸዱ ድማ እቲ ወኻርያ ተጸንበሮም። ነቲ ወዲ ድማ ከም'ዚ በሎ፡ "እዛ ልእልቲ፡ እቲ ፈረስ ወርቅን እታ ዑፍ ወርቅን፡ ሰለስቲኦም እንተደሊኻዮም ናትካ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።"
እቲ መንእሰይ፡ "ጽቡቕ ምዀነ፡ ግና'ኸ ኸመይ ኣቢሉ ኢዩ ኽሰልጠና፧" ኢሉ ሓተቶ።
"ኣነ ዝብለካ ዘበለ እንተጌርካ" በሎ እቲ ወኻርያ፡ "ዝደለኻዮ ኽትረክብ ኢኻ።" ቀጺሉ፡ "ናብ'ቲ ንጉስ ምስከድኩም ነዛ ጽብቕቲ ልእልቲ ምስረኣየ ብጣዕሚ ኽሕጐስ ኢዩ፡ ነቲ ፈረስ ወርቂ ኸኣ ኽህበካ ኢዩ ንስኻ ሽዑ ኣብ'ቲ ፈረስ ተወጢሕኻ በብሓደ ኣእዳዎም ኣናጨበጥካ ተፋነዎም። ንኹሎም ምስወዳእኻ ጥራሕ ድማ ነታ ልእልቲ ኸም ትፋነዋ ተመሲልካ ብኢዳ ስሒብካ ናብ'ቲ ፈረስ ሰቒልካ፡ መይሃር ፈረስካ ናብኣቶም ኣቕኒዕኻ ህደም።
ኣብ'ቲ ግምቢ ምስበጽሑ ኸምኡ ገበሩ፡ ኰነሎም'ውን። ሽዑ እቲ ወኻርያ፡ "ኣብ'ቲ እታ ዑፍ ዘላቶ ግምቢ ምስበጻሕና፡ እዛ ልእልትን ኣነን ኣብ ደገ ኽንጽበየካ ኢና። ንስኻ ነቲ ፈረስ ወርቂ ተወጢሕኻ ነቲ ንጉስ ክትረኽቦ ትኣቱ፤ ነዚ ምስረኣየ እቲ ንጉስ ነታ ዑፍ ከምጽኣልካ ኢዩ። ካብ'ቲ ፈረስ ክይወረድካ 'እታ ናይ ሓቂ ዑፍ ወርቂ ምዃና ምእንቲ ኸረጋግጽ ኣቐብሉኒ' በሎ። ምስሃበካ ድማ ፈረስካ እናጋለብካ ንልእልቲ ተማሊእኻያ ኪድ" በሎ።
ሕጂ'ውን ከም'ቲ ዝመደብዎ ዀነሎም። እቲ ወዲ ምስ ልእልቱን እታ ዑፍ ወርቅን ኣብ ፈረሶም እቲ ወኻርያ ድማ ጐኒ-ጐኖም እናጋለቡ ናብ ሓደ ዓቢ ጫካ ኣተዉ። እቲ ወኻርያ ድማ፡ "በጃኻ! ቅተለኒ! ቅተለኒ! ኣእዳወይን ኣእጋረይን ከኣ ቍረጾ" ኢሉ ለመኖ። እቲ ወዲ ዀስኳሳይ ግና ኣበዮ። ሽኡ እቲ ወኻርያ፡ "ኣነ ግና ብዝዀነ ጽቡቕ ምኽሪ ኣይከልኣካን እየ። ክልተ ምኽርታት ክህበካ'የ፤ ሓደ፡ ክሕነቕ ንዝተፈርደ ዝዀነ ሰብ መበጆ ኸፊልካ ኣይተድሕን፡ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ገምገም ሩባ ኮፍ ኣይትበል።" ኢሉ ተፈልዮም።
እቲ ወዲ ድማ ብልቡ፡ "እዚአን'ሲ ብቐሊሉ ኽስዕበን ዝኽእል ምኽርታት ኢየን" በለ።
ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ኣብ'ታ እቶም ክልተ የሕዋቱ ዝነበሩላ ዓዲ በጽሑ። ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ጫው-ጫው ክብሉ ምስረኣየ ኸኣ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ኣጣየቐ። ገለ ካብ'ቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ ክልተ ከተርቲ ክሕነቑ ምዃኖም ገለጽሉ። ቀሪቡ ምስረኣዮም ድማ እቶም ፍሩዳት ክልቲኦም የሕዋቱ ምዃኖም ተረድአ፡ ብድሕሪኡ ክትረት ከምዝጀመሩ'ውን ፈለጠ።
ሽዑ ዝገብሮ ጠፊእዎ፡ "ብዝዀነ መገዲ ኽድሕኑ ኣይክእሉን'ዶ፧" ኣናበለ ሓተተ።
እቶም ሰባት ግና፡ "ኣይፋልን፡ እንተደሊኻ ዘሎካ ገንዘብ ከፊልካ ናጽነቶም ክትዕድገሎም ትኽእል ኢኻ" በልዎ። ንሱ ድማ የዕሚቑ ከይሓሰበ ገንዘቡ ኸፊሉ ንኽልቲኦም የሕዋቱ ነጻ ኣውጽኦም። ኩሎም ተተሓሒዞም ድማ ንዓዶም ገጾም ክጐዓዙ ጀመሩ።
ኣብ'ታ እቲ ወኻርያ መጀመርታ ንነፍስ-ወከፎም ዝረኸበላ ሩባ ምስበጽሑ ድማ እቶም ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋት፡ "ኣብ'ዚ ሓንሳብ ነዕርፍ። በሊዕና ሰቲና ብድሕሪኡ መገድና ንቕጽል" በሉ። እቲ ንእሽቶ ድማ ምኽሪ ናይ'ቲ ወኻርያ ረሲዑ ሕራይ ኢሉ ተሰማምዐ። ካብ ፈረሱ ወሪዱ ኮፍ ምስበለ፡ ገለ'ኳ ኸይጠርጠረ እንከሎ ብድሕሪኡ ብሰላሕታ መጺኦም ካብ'ቲ ደንደስ ኣጽደፍዎ። ኣብኡ ሓዲጎሞ ኸኣ፡ ነታ ምልክዕቲ ልእልቲ፡ ነቲ ፈረስ ወርቅን ነታ ዑፍ ወርቅን ሒዞም ዓዶም ኣተዉ። ናብ ንጉስ ከይዶም ድማ፡ "ብጻዕርና እዚ ረኺብና" ኢሉም ፍረ ጻዕሪ ናይ'ቲ ንእሽቶ ሓዎም ከም ናቶም አቕረቡሉ። ኣብቲ ንግስነት ድማ ዓቢ ጽምብል ተገብረ። እቲ ፈረስ ወርቂ ምብላዕ ኣበየ፡ እታ ዑፍ ወርቂ ምዝማር ኣቕበጸት፡ እታ ልእልቲ ድማ ኣምሪራ በኸየት።
እቲ ሕሳስ-ልደ ናብ ባይታ ናይ'ቲ ሩባ ጸደፈ። እቲ ሩባ ዳርጋ ነቒጹ ስለዝነበረ ኣይጠለቐል፡ የዕጽምቱ ግና ኣሰር ተሰይሩ ነበረ። ደንደስ'ቲ ሩባ ኣዝዩ በሪኽ ስለዝነበረ መደያይቦ ጭነቖ። ሽዑ እቲ ኣረጊት ወኻርያ መጺኡ ምኽሩ ብዘይምስምዑ ነቲ ወዲ ገንሖ። "ኣብ'ዚ ሓዲገካ ክኸይድ ግና ኣይከኣለንን ኢዩ" ብምባል፡ ጭርኡ ሰዲዱ "ኣብ'ዚ ሓዝ" በሎ። ካብ'ቲ ሩባ ድማ ስሒቡ ኣውጽኦ'ሞ "የሕዋትካ ኣብ'ዚ ንግስነት'ዚ እንተረኺቦምኻ ክቐትሉኻ ወጢኖም ኣለዉ" ኢሉዎ ኸደ።
ሽኡ እቲ ወዲ ዀስኳሳይ ድኻ ሽማግለ ተመሲሉ ናብ'ቲ ግምቢ ኣተወ'ሞ ብኡ-ንቡኡ እቲ ፈረስ ክበልዕ እታ ዑፍ ድማ ኽትዝምር ጀመሩ፡ ልእልቲ ኸኣ ብኽያታ ኣቋረጸት። ናብ ንጉስ ከይዱ ድማ ኩሉ'ቲ የሕዋቱ ዝገበርዎ ዘበለ ዘርዚሩ ኣዘንተወሉ። ክልቲኦም የሕዋቱ ድማ ዝግብኦም መቕጻዕቲ ተበየነሎም። እታ ልእልቲ ናብኡ ተመልሰት። ናይ'ቲ ንግስነት ወራስ-ዓራት ድማ ዀነ።
ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ እቲ ወዲ ዀስኳሳይ ክናፈስ ኣብ'ቲ ጫካ ዘወር እናበለ እቲ ኣዝዩ ሸምጊሉ ዝነበረ ወኻርያ ረኸቦ'ሞ ኣዒንቱ ንብዓት እናንጠብጠባ "ቅተለኒ! ቅተለኒ! ኣእዳወይን ኣእጋረይን ከኣ ቍረጾ" እናበለ ለመኖ። ድሕሪ ብዙሕ ምሕጽንታ ድማ ቀተሎ፡ የእዳዉን የእጋሩን'ውን ቈረጾ። ሽዑ እቲ ወኻርያ ናብ ሰብ ተለወጠ፡ እቲ ሰብ ድማ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝጠፍአ ሓው'ታ ልእልቲ ዀይኑ ጸንሐ።
Comments
Post a Comment