“ሃንሰልን ግረተልን” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ።
ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣብ ሓደ ገፊሕ ጫካ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ካብ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ዝወለዶም ደቁን፡ ሓደ ፈላጽ-ዕንጨይቲ ይቕመጥ ነበረ። ደቁ ኸኣ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ሃንሰል እታ ምንኣሱ ጓል ከኣ ግረተል ይበሃሉ ነበሩ። ኣዝዮም ድኻታት ስለዝነበሩ እኹል ዝብላዕ ረኺቦም ኣይፈልጡን ኢዮም። ዓዶም ጥሜት ምሰ'ጥቅዖ ኸኣ ኣቦኦም ብጭንቀጥ ከይደቀሰ ይሓድር ነበረ። ንበዓልቲ ቤቱ'ውን ደጋጊሙ "እንታይ ኢና ንገብሮ፧ ንርእስና እኹል ዝብላዕ ዘይብልና'ስ ነ'ዞም ደቅና'ኸ እንታይ ኢና ከነብልዖም፧" ይብላ ነበረ።
ሓንቲ መዓልቲ ኸኣ በዓልቲ ቤቱ "ስማዕ በል፡ 'ንገብሮ ባዕለይ ክነግረካ'የ።" በለቶ፤ "ኣንጊህና ተንሲእና ነዞም ቈልዑ ሒዝናዮም ናብ'ቲ ዕሙር ማእከላይ ሸነኽ ናይ'ዚ ጫካ ንኸይድ። ሽዑ ኣብኡ ኽይቈ'ሩ ሓዊ ኣጒድና ናንእሽቶ ቕጫ ሂብናዮም ናብ ስራሕና ንወፍር። መሬት ምስመሰየ ንሕና ገዛና ንኣቱ፡ ንሳቶም ግና ክረኽቡና ስለዘይክእሉ ብኡ ኣቢሎም ይጠፍኡልና፤ ንስኻን ኣነን ድማ ሓራ ንኸውን።"
ኣቦኦም ግና ሰንቢዱ፡ "ኣይፋልክን! ደቀይ ኣብ በረኻ ደርብየ ኣይከይድን'የ። ንስኺ'ኸ ነብስኺ ከመይ'ሉ ኽገብረልኪ፧ ኣራዊት በጃጅሎም ክበልዑዎም እንድዮም" ብምባል ኣበያ።
ንሳ ኸኣ፡ "በል ነ'ርባዕቴና ሳንዱቕ ሬሳ ስርሓልና፡ ምኽንያቱ ኩልና ንበልዖ ስኢ'ና ኽንመውት ኢና።" ኣናበለት ለይትን መዓልትን ድቃስ ከልኣቶ። መወዳእትኡ ድማ ድሒሩ ዘጣዕሶ ነገር ይገብር ምህላዉ እናተረድኦ ከም'ቲ ሰበይቱ ዝበለቶ ደቁ ኣብ በረኻ ኸጥፍኦም ተሰማምዐ።
እቶም ክልተ ቈልዑ ግና ብሰንኪ ጥሜት ድቃስ ኣይወሰዶምን ነበረ'ሞ ነቲ ሰይተቦኦምን ኣቦኦምን ዝበሉዎ ዘበለ ሰምዑዎ። ግረተል ድማ ኣምሪራ እናበኸየት ንሃንሰል፡ "እንታይ ኢና ንገብሮ፧ እንታይና ንኾኖ፧" በለቶ።
"ኣይትብከዪ ግረተል፡ ኣነ ምሳኺ ኣለኹ። ኣብ ዘጋጥመና ዝኾነ-ይኹን ጸገም ድማ ብኽእለተይ ክሕግዘኪ ኢየ" ኢሉ ኣደዓዓሳ። ወለዶም ምስደቀሱ ድማ ብኡ-ንብኡ ጃኬቱ ተኸዲኑ ብሕጓ ንግዳም ወጽአ። ወርሒ ደሚቓ ወጺኣ ስለዝነበረት፡ እቲ ኣብ'ቲ ኸባቢ ዝነበረ ጻዕዳ ጸጸር ከም ሰልዲ ብሩር መስ-መስ ይብል ነበረ'ሞ ሃንሰል ደ'ደኒኑ ኽብኡ ፍርይ-ፍርይ ዝበለ መሪጹ ኣብ ጁብኡ ኣከበ። ጁቡኡ ብጻዕዳ ጸጸር ምስመልአ ድማ ብሰላሕታ ናብ ገዝኦም ኣትዩ፡ "ኣይትጨነቒ ግረተል ሓፍተይ። ዝገጥመና ሽግር ኣይከሕምቐናን'ዩ። ብሰላም ደቂስኪ ሕደሪ" ኢሉዋ ንሱ'ውን ደቀሰ።
ንጽባሒቱ ንግሆ እታ ሰይተቦኦም ጸሓይ ከይበረቐት ካብ ድቃሶም ኣበራበረቶም። "ተንስኡ ኣቱም ህኩያት፡ ንዑናይ ዕንጨይቲ ክንፍልጽ ክንወፍር ኢና"ድማ በለቶም። ሽዑ ንሃንሰልን ግረተልን ነንእሽቶ ቁራስ ቅጫ ሂባ፡ "እዚ ምሳሕኹም'ዩ፤ ተወሳኺ ዝህበኩም ስለዘየለ ሰዓቱ ኸይኣኸለ ከይትበልዑዎ" ኢላ አጠንቀቐቶም። ናይ ሃንሰል ጁባ ጸጸር መሊኡ ስለዝነበረ ግረተል ናይ ክልቲኦም እጃም ኣብ በጃ-ኽዳና ኣቐመጠቶ። ሃንሰል፡ ግረተል፡ ኣቦኦምን ሰበይቱን ድማ ብሓባር ተበገሱ። ሓጺር መገዲ ምስተጓዕዙ ድማ ሃንሰል ጸጸኒሑ ደው ኢሉ ናብ ገዝኦም ገጹ ኽጥምት ጀመረ። ነዚ ዝተዓዘበ ኣቦኦም ከኣ፡ "ሃንሰል፡ እንታይ ኣሎካ'ዩ ንድሕሪት ቁሊሕ-ምሊሕ ትብል፧ ስለምንታይ ኢኻ'ኸ ድሕሬና ትተርፍ ዘለኻ፧ ከይትዕንቀፍ፡ መገድኻ ርአ!" በሎ።
"ኣቦይ፡" በለ ሃንሰል፡ "ኣብ ናሕሲ ገዛና ዘላ ጻዕዳ ድሙና ኢየ ዝጥምት ዘለኹ። ክትፋነወኒ'ያ ደልያ" በሎ።
ሰይተቦኡ ድማ ትቕብል ኣቢላ፡ "ኣታ ዓንጃል! እቲ ዝረኣየካ ዘሎ ብርሃን ኣብ'ቲ ጻዕዳ መውጽእ ትኪ ዝዓልብ ዘሎ ብርሃን ጸሓይ 'ድኣ'ምበር ጻዕዳ ድሙ ኣይኮነትን" በለቶ። እንታኾነ ግን ሃንሰል ብሓቂ ድሙ የናዲ ኣይነበረን፡ ደው መ'ምስበለ ኻብ ጁብኡ ሓንቲ ጸጸር ኣውጺኡ ናብ ባይታ ይድርቢ ነበረ።
ኣብ ማክእከል ናይ'ቲ ጫካ ምስበጽሑ ኣቦኦም ኸይቈ'ሩ ሓዊ ምእንቲ ኽኣጕደሎም፡ "ስብርባር ዕንጨይቲ እረዩ" በሎም። ሃንሰልን ግረተልን ይኣክል ዝበልዎ ኹምራ ቐሸም ምስኣከቡ ድማ ሓዊ ኣንከሱዎ።
ዝኣጐድዎ ሓዊ ዓሚሩ ሃል-ሃል ምስበለ፡ ሰይተቦኦም "ንስኻትኩም ኣብ'ዚ ጥቓ ሓዊ ደቂሱኩም ኣዕርፉ፡ ንሕና ድማ ዕንጨይቲ ኽንፍልጽ ክንከይድ ኢና። ምስወዳእና መጺአ ኽጽውዓኩም ኢየ" ምስበለቶም ኣቦኦምን ንሳን ናብ ውሽጢ'ቲ ጫካ ገጾም ከዱ።
እቶም ቄልዑ ሓዊ እናተጸልዉ ኣብ ጥቕኡ ኮብ በሉ፤ ፋዱስ ምስኮነ ድማ ዝተዋህቦም ቍራስ ቅጫ በልዑ። ካብ'ታ ዝነበሩላ ቦታ ብዙሕ ከይረሓቐ፡ ናይ ዝህረም ዘሎ ዕንጨይቲ ድምጺ ስለዝሰምዑ ድማ ኣቦኦም ኣብ ጥቕኦም ዘሎ መሲልዎም ቀሲኖም ደቀሱ። እቲ ዝሰምዕዎ ድምጺ ግዳ ካብ ፋስ ናይ ኣቦኦም ዘይኮነስ ብንፋስ ተደፊኡ ንየው-ነጀው ይብል ካብ ዝነበረ ሰይተቦኦም ብገመድ ኣብ ጨንፈር ናይ ሓደ ዝነቐጸ ዓቢ ኦም ዘንጠልጠለቶ ከቢድ ሓጺን ኢዩ ዝመጽኦም ዝነበረ።
ካብ ድቃሶም ምስተበራበሩ ድሮ ጸሓይ ዓሪባ መሬት ጽልግልግ ኢሉ ስለዝነበረ፡ ግረተል ፈሪሓ፡ "ከመይ ኣቢልና ኢና ኻብ'ዚ ጫካ ንወጽእ!" እናበለት ክትበኪ ጀመረት። ሓዋ ድማ፡ "ወርሒ ክሳብ ትደምቕ ንጽናሕ'ሞ ብዘይ ጸገም ገዛና ኽንከይድ ኢና" ኢሉ ኸረሳርሳ ፈተነ። ወርሒ ኸይደንጐየት በረቐትሎም፤ ሽዑ ሃንሰል ንሓፍቱ ብኢዳ ሒዙ፡ በተን ብብርሃን ወርሒ ዘብረቕርቓ ዝነበሩ ጻዕዳ ጸጸር እናተመርሐ ተጓዕዘ። ድሕሪ ኣዝዩ ነዊሕ መገዲ፡ ወጋሕታ ፈገግ ክብል ምስቀረበ ድማ ኣብ ኣፍደገ ገዛ ኣቦኦም በጽሑ።
ማዕጾ ዃሕኲሖም ሰይተቦኦም ምስከፈተቶ ድማ፡ "ኣቱም ስድታት ቈልዑ! ክንድኡ ኣብ ጫካ ዘደቅስ እንታይ ኣለኩም፧ 'በቃ ገዝኦም ኣይምልከሱን'ዮም' ኢልና ቐቢጽናኩም'ኳ ኢና ኔርና!" እናበለት ብቘየቛ ተቐበለቶም። ኣቦኦም ግና ንሃንሰልን ግረተልን ኣብ በረኻ ራሕሪሑ ብምኻዱ ይጠዓስ ስለዝነበረ ደቁ ዳግም ምስረኣዮም ተሓውጐሰ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ኩሉ ኹርናዓት'ቲ ዓዲ ኸምብሓድሽ ከቢድ ጥሜት ኮነ'ሞ ሓደ ምሸት እቶም ቈልዑ፡ ኣብ መዳቕስኦም'ንከለዉ ሰይተቦኦም ነቦኦም፡ "ቆፎና ጥርሑ ተሪፉ፡ ንበልዖ እኽሊ የብልናን። ኣነን ንስኻን ክንድሕን ትደሊ'ንተኾንካ ነዞም ቘልዑ ኣርሒቕና ኽነጥፍኦም ኣሎና። ናብ መዓሙቝ ናይ'ቲ ጫካ፡ መገዲ ገዝኦም ክሳብ ዝጠፍኦም ኣርሒቕና ኽንወስዶም ኢና። ከምኡ ጌርና ጥራይ ኢና ኻብኦም ክንናገፍ 'ንኽእል፡" ክትብሎ ሰምዕዋ።
ኣቦኦም ከኣ ኽሳብ'ታ ዝነኣሰት ቁራስ እንጌራ'ውን ትኹን ምስኣን ምስደቁን ሓቢሩ ክማቐል ስለዝደለየ፡ "ደቀይ ንኣራዊት ኣይቅልብን'የ!" ኢሉ ኣበያ። ንሳ ግና ኣብ ሓደ ግዜ ብተግሳጽን ልመናን ልቡ አትፍኣትሉ።
ግረተልን ሃንሰልን፡ ሰይተቦኦም እንተ'ንቂዳ ዝደለየቶ ኸይረኸበት ከምዘይተዕርፍ ይፈልጡ ብምንባሮም፡ ንተቓውሞ ኣቦኦም ብዙሕ ግምት ኣይሃብዎን። እቶም ዓበይቲ ምስደቀሱ ኸኣ ሃንሰል ጻዕዳ ጸጸር ክኣሪ ካብ ዓራቱ ተንሲኡ ንግዳም ክወጽእ ፈተነ። ሰይተቦኦም ግረተልን ሃንሰልን ከመይ ኣቢሎም ናብ ገዝኦም ከምዝተመልሱ ፈሊጣ ስለዝነበረት ግና፡ ነቲ ማዕጾ ብመፍትሕ'ያ ዓጽያቶ ደቂሳ። ሃንሰል በዚ ተስፋ ኸይቈረጸ ነታ ትበኪ ዝነበረት ሓፍቱ፡ "ኣይትብከዪ ግረተል፡ እንተተባላሒትናን እንተጽዒርናን ፍታሕ ኣይንስእንን ኢና" ኢሉ ኣደዓዒስዋ ደቀሰ።
ንጽባሒቱ ንግሆ እታ ሰይተቦኦም ጸሓይ ከይበረቐት ካብ ድቃሶም ኣበራቢራ ንሃንሰልን ግረተልን ካብ'ታ ናይ ዝሓለፈ ግዜ'ውን ዝነኣሳ ቁራስ ቅጫ ሂባ ኣበገሰቶም።
ሓጺር መገዲ ምስተጓዕዙ ድማ ሃንሰል ነታ ዝታዋህበቶ ንእሽቶ ቁራስ ቅጫ ኣብ ጁብኡ ረፍሪፉ ጸጸኒሑ ደው ኢሉ ናብ ገዝኦም ገጹ ብምጥማት ቁሩብ ርፍራፍ ናብ ባይታ ይዘሩ ነበረ። ኣቦኦም ከኣ፡ "ሃንሰል፡ እንታይ ኣሎካ'ዩ ንድሕሪት ቁሊሕ-ምሊሕ ትብል፧ ስለምንታይ ኢኻ'ኸ ድሕሬና ትተርፍ ዘለኻ፧ ከይትዕንቀፍ፡ መገድኻ ርአ!" በሎ።
"ኣቦይ፡" በለ ሃንሰል፡ "ኣብ ናሕሲ ገዛና ዘላ ጻዕዳ ርግቢ ኢየ ዝጥምት ዘለኹ። ርእሳ እናንቀሳቐሰት ቻው ትብለኒ'ላ" በሎ።
ሰይተቦኡ ድማ፡ "ኣታ ዓዋን! እቲ ዝረኣየካ ዘሎ ናይ ጻዕዳ ርግቢ ብርሃን ኣይኮነን፡ ኣብ'ቲ ጻዕዳ መውጽእ ትኪ ዝዓልብ ዘሎ ብርሃን ጸሓይ ኢዩ" በለቶ። ሃንሰል ግና ጸጸኒሑ ካብ ጁብኡ ርፍራፍ ምድርባይ 'ድኣ ቐጸለ።
ሰይተቦኦም መሪሓቶ ናብ ውሽጢ'ቲ ጫካ ኣተወት። ቅድሚ ሽኡ ረጊጾሞ ዘይፈልጡ ክፋል'ቲ ጫካ ምስበጽሑ፡ ብርቱዕ ሓዊ ኣናኺሳ፡ "ኣብ'ዚ ኮፍ ኢልኩም ኣዕርፉ፡ እንተደኺምኩም'ውን ንግዚኡ ደቅሱ። ንሕና ዕንጨይቲ ኽንፍልጽ ንኸይድ ኣለና፡ መሬት ምስመሰየ ኽንወስደኩም ክንመጽእ ኢና" ኢላቶም ምስ ሰብኣያ ኸደት።
ሃንሰል ዝተዋህበቶ ቁራስ ቅጫ ኣብ መገዲ እናዘረወ ስለዝወድኣ፡ ፋዱስ ምስኣኸለ ነታ ናይ ገረተል ብጽሒት ክልቲኦም ተማቒሎም በልዕዋ። ድሕሪኡ ደኺሞም ስለዝነበሩ ደቀሱ። እንተኾነ ግና ደሃዮም ክገብር ወይ ንገዝኦም ክወስዶም ዝኾነ ሰብ ኣይመጽአን። ካብ ድቃሶም ምስተበራበሩ ድሮ ጸሓይ ዓሪባ መሬት ጽልግልግ ኢሉ ስለዝነበረ፡ ግረተል ፈሪሓ፡ "ከመይ ኣቢልና ኢና ኻብ'ዚ ጫካ ንወጽእ!" እናበለት ክትበኪ ጀመረት። ሓዋ ድማ፡ "ወርሒ ክሳብ ትደምቕ ንጽናሕ'ሞ ብዘይ ጸገም በቲ ሓሓሊፈ ዝዘርዎ ዝነበርኩ ርፍራፍ ቅጫ እናተመራሕና ገዛና ኽንከይድ ኢና" ኢሉ ኸረሳርሳ ፈተነ። ወርሒ ኸይደንጐየት በረቐትሎም፤ ሽዑ ሃንሰል ንሓፍቱ ብኢዳ ሒዙ ተበገሰ።
ሃንሰል እብ ከባቢኡ ቅሊሕ-ምሊሕ እንተበለ ግና ዝኾነ ርፍራፍ ቅጫ ክረክብ ኣይከኣለን፤ እተን ኣብ'ቲ በረኻ ዝቕመጣ ኣሽሓት ኣዕዋፍ ለቒመን ወዲአንኦ ስለዝነበራ። ሃንሰል፡ ግረተል ሓፍቱ ምእንቲ ኸይትፈርሕ፡ "ኣጆኺ፡ ገዛና ክንረኽቦ ኢና፤ ኣይትፍርሒ" ይብላ ነበረ። ምሉእ ለይትን መዓልትን ክይድ ሓዲሮም ወዓሉ፡ እንተኾነ ግን ገዝኦም ክረኽብዎ ኣይከኣሉን። ብዘይካ ኣብ በረኻ ዝበቈለ ጐምጠጥ ዝብላዕ ስለዘይረኸቡ ድማ ኣዝዮም ጠምዮም ነበሩ። ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብድኻምን ጥሜትን ሰኒፎም ምኻድ ምስሰኣኑ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ገረብ ደቂሶም ሓደሩ።
ግረተልን ሃንሰልን ካብ ገዝኦም ካብ ዝወጽኡ ድሮ ሳልሳይ መዓልቲ በጺሑ ነበረ። ብዙሕ ኸየዕረፉ ነዊሕ መገዲ ክጐዓዙ ይውዕሉ፡ ግና መመሊሶም ናብ ውሽጢ'ቲ ገጅፍ ጫካ 'ድኣ ኣተዉ'ምበር ናብ ገዝኦም ገጾም ፈጺሞም ኣይቀረቡን። ሽዑ ሃንሰል ኣብ ሓጺር እዋን ሓገዝ እንተዘይረኺቦም ብጥሜት ክሞቱ ምዃኖም ተረድአ። ዳርጋ ፍርቂ መዓልቲ ምስኮነ ሓንቲ ከም በረድ ዝምጽዕዳዋ ርግቢ ኣብ ጨንፈር ሓንቲ ገረብ ኮፍ ኢላ ረኣዩ። ምኡዝ ዘማ ትዝምር ስለዝነበረት ኣብ ትሕቲ'ታ ገረክ ኮፍ ኢሎም ኮፍ ኢሎም መዝሙራ ኣስተማቐሩ። ሽዑ እታ ዑፍ ኣኽናፋ ዘርጊሓ በሪራ ኸደት፤ ንሳቶም ድማ ሰዓብዋ። ነዊሕ ኸይከዱ ድማ እታ ዑፍ ኣብ ናሕሲ ናይ ሓንቲ ውቅብቲ ጎጆ ወረደት። እቶም ቈልዑ ናብ'ታ ጎጆ ቀሪቦም እንተረኣዩ ኸኣ ምናድቓ ብባንን ፓስተን መሳዅቱ ድማ ካብ ሓቒቕ ዝመስል ሽኮር ዝተሰርሐ ምዃኑ ረኣዩ።
ካብ ክጻወርዎ ዝኽእሉ ንላዕሊ ጥሜት ስለነበሮም ነታ ጎጆ ናይ መን ምዃና፡ ስለምንታይ'ከ ኣብ ማእኸል ጫካ ተደኲና ኸምዘላ ኸይተመራመሩ ኽበልዕዋ ጥራይ ተሃንደዱ። "ኣነ በቲ ናሕሲ ኽጅምር'የ፡" በላ ሃንሰል ንግረተል፡ "ንስኺ ኸኣ ማሳዅትን ማዕጾን ብልዒ።"
ሓንቲ ሰበይቲ ብጥዑም ደሃይ "መን'ዩ ማዕጾዮ ዝዅሕኵሕ!" በለቶም።
ንሳቶም ድማ ብሓባር፡ "ንፋስ'ዩ ንፋስ!" ኢሎም መለሱ። ከይተረበሹ ድማ ውራይ ምብልዖም ቀጸሉ። ካብቲ መስኮት ገዚፍ ክፋል ገሚዓ፡ ኰሪዓ ኽትበልዕ ኮፍ በለት።
ብሃንደበት ማዕጾ ናይ'ቲ ገዛ ተኸፍተ ሓንቲ ብምርኩስ እትንቀሳቐስ ኣረጊት ሰበይቲ ድማ ወጽአት። ሽዑ እታ ሰበይቲ ብብሩህ ገጽ፡ "ብሩኻት ደቂ፡ መን'ድኣ ናብ'ዚ ኣምጺእኩም፧" ኢላ በ'እዳዎም ሒዛ ናብ ውሽጢ ገዛ ኣእተወቶም። ሽዑ ኣእዳዎም ሓጺባ ብርኩት ጸባን ልስሉስ ሕምባሻን ቀረበትሎም። ብተወሳኺ ኣብ'ቲ መመገቢ ጣውላ ቱፋሕን ካልኦት ፍሩታታትን ነበሩ። በሊዖም ምስጸገቡ ድማ ጻዕዳ ኣንሶላ ሊኖ ኣብ ዝተነጸፈሉ ጽሩይ ዓራት ኣደቀሰቶም'ሞ ግረተልን ሃንሰልን ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝኣተዉ ኾይኑ ተሰምዖም።
እታ ኣረጊት ሰበይቲ ግና ኽተምስል ኢላ ድኣ ኢያ'ምበር ለዋህ ወይ'ውን ጽቡቕ ናይ ህጻናት ትምነ ኣይነበረትን። ንሳ ብኸባቢኣ ንዝሓልፉ መሳኪን ህጻናት ሃዲና 'ትበልዕ ከይሲ ጠንቋሊት ኢያ ዝነበረት። ነታ ናይ ምቁር ሕብስትን ሽኮርን ጎጆ ድማ ህጽናት ክትስሕብ ኢላ ኢያ ሰሪሓታ። እቶም ኣብ መጻወድያኣ ዝኣተዉ ህጻናት ከኣ ኸቶ ኣየምልጡን ነበሩ። ንሰሙናት በብዓይነቱ ጥዑም መግብን መስተን እናቐረበት ክተስብሖም ድሕሪ ምቕናይ ኣብ መወዳእታ ንውልቃ ዓቢ ድግስ ኣዳልያ ከሽና ትበልዖም። ጠንቘልቲ ኣዒንተን ቀያሕትን ርሒቖም ንዘለዉ ነገራት ብንጹር ከርእየአን ዘይክእላን ኢየን። ኣፍንጨን ግና ሓያል ናይ ምሽታት ክእለት ስለዘለዋ፡ ቆልዑ ኣብ ከባቢአን እንተተዛዊሮም ክረኽብኦም ኣየጸግመንን ኢዩ። ሃንሰልን ግረተልን ናብ ከባቢ ገዝኣ ምስቀረቡ እምበኣር፡ እታ ጠንቋሊት ብታሕጓስ ካዕ-ካዕ ኢላ እናሰሓቐት፡ "መጺኦምለይ ኣለዉ! ኣክፍንዎምን ከኣ'የ" በለት።
ንሃንሰል በተን ዝተጨማደዳ ኣእዳዋ ተሰኪማ ኣብ ሓደ ዓቢ ጋብያ ዓጸወቶ። ሽዑ ንግረተል ብሓይሊ ካብ ድቃሳ ኣበራቢራ፡ "ተንስኢ ኣቲ ሰነፍ ቈልዓ! ኪዲ ማይ እምጽኢ'ሞ ሓውኺ ኣብ'ቲ ደገ ኣብ ጋጽ ተዓጽዩ'ሎ፡ ምቁር መግቢ ኣዳልውሉ፤ ቀልጢፉ ኽሰብሕ ኣለዎ። ምስሰብሐ ድማ ኸሽነ ኽበልዖ ኢየ" በለታ። ግረተል ነዚ ምስሰምዐት ኣምሪራ ኽትበኪ ጀመረት። እንተኾነ ግና ብኽያታ ንኸንቱ ኢዩ ነይሩ። እታ ኣረጊት ጠንቋሊት ዝኣዘዘታ ዘበለ ድማ ገበረት።
ንግሆ-ንግሆ ናብ'ቲ ጋጽ ቀሪባ፡ "ሃንሰል፡ ኣጻብዕኻ'ስከ ስደደለይ" ትብሎ። ሃንሰል ግና ሃጢሩን ኣይሃጠረን ክትፈልጥ ከምዝደለየት ስለዝተረድኦ ሓንቲ ንእሽቶ ዓጽሚ ካብ ባይታ ኣልዒሉ የቕርበላ። ኣዒንታ ብግቡእ ስለዘየርእያኣ ድማ ኣጻብዑ ዝሓዘት መሲልዋ ምስ ነብሳ፡ "እዝ'ስ ዘብላዕኻ ኣኦልብሊዕኻዮ ኣይረጉድን'ዩ" እናበለት ትግረም።
ንኣርባዕተ ሳምንቲ ዝኸውን ምስቀለበቶ፡ ሰብነቱ ግዳ ምውሳኽ ምስኣበየ፡ እታ ጠንቋሊት ዓቕሊ ሰኣነት። ነታ ጓል ጸዊዓ፡ "ግረተል፡ ጽባሕ ንሃንሰል ይህጠር ኣይህጠር ከሽነ ኽበልዖ'የ። ኪዲ ማይ እሞ ቅርቢ" በለታ።
ሽዑ ግረተል፡ "ኣራዊት በረኻ በሊዖምና እንተዝኾኑ'ስ ብሓደ'ኳ ምሞትና!" እናበለት በኸየት።
እታ ጠንቋሊት ነዚ ምስሰምዐት፡ "ብኽያትኪ ኣቋርጽዮ፡ ዝገብረልኪ የብሉን" ኢላ ገንሓታ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ግረተል ነቲ ማይ ዝመልአ ዓቢ ድስቲ ኣብ ሓዊ ኽትስኽትቶ ነበራ። ከምኡ ምስገበረት እታ ጠንቋሊት፡ "እቲ ማይ ክሳብ ዝፈልሓልና'ምበኣር ሕምባሻ ክንስንክት ኢና። ቢሑቝ ለዊሰ'ለኹ ነቲ እቶን'ውን ወሊዐዮ'የ። እስከ ብግቡእ ረሲኑ እንተኾይኑ ተምበርኪኽኪ ርእስኺ ኣቐልቂልኪ ረኣይዮ" በለታ።
እንተኾነ ግና ግረተል ሓቀኛ ድልየት ናይ'ታ ጠንቋሊት ግረተል ነቲ እቶን ክትርእ ኢላ ድንን ምስበሌት ናብ ውሽጡ ክተእትዋ'ሞ ጠቢሳ ምስ ሓዋ ኽትበልዓ ምኽዋኑ ስለዝተረኣ፡ "ከመይ ጌረ'የ ኽኣቱ፧ ኣይክእሎን'የ" ኢላ መለሰትላ።
እታ ጠንቋሊት ከኣ፡ "ሃላይ ዓዓ! እቲ እቶን ገፊሕ ኢዩ። ኣሽንኳይ'ዶ ንዓኽ'ስ ነዓይ ከማን የእትወኒ፡ ተኣለዪ ኸርእየኪ" ኢላ ርእሳ ናብ'ቲ እቶን ክተእቱ ድንን በለት'ሞ ግረተል ብድሕሪኣ ኾይኑ ብሓይሊ ደፊኣ ናብ ውሽጢ'ቲ እቶን ኣውደቐታ። ሽዑ ግረተል ተቐዳዲማ ነቲ ሓጺን ማዕጾ እቶን ሰገጠቶ፡ እታ ኣረጊት ጠንቋሊት ከኣ ብሓዊ ተለብሊባ ብቓንዛ ዓው ኢላ ጋሕግሐት።
ነዲዳ ሕምኹሽቲ ክሳብ ትቕየር ኣብኡ ገዲፋታ ድማ ግረተል ናብ'ቲ ሃንሰል ሓዋ ተዳጒንሉ ዝነበረ ዓቢ ጋብያ ከይዳ ማዕጽኡ እናኸፈተት "ሃንሰል፡ ድሒ'ና! እታ ጠንቋሊት ሞይታ" በለቶ። ሃንሰል ከም ዑፍ ጥር ኢሉ ካብ ግብይኡ ወጺኡ ንሓፍቱ ሓቚፉ ደጋጊሙ ሰዓማ።
ድሕሪኡ ዘፈርሕዎ ስለዘይነበሮም ነቲ ገዛ እናኾለሉ ፈተሽዎ፡ ዳርጋ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ኩርናዕ ድማ ሉል፡ ኣልማዝ፡ ዚርኮንን ካልኦት ክቡራት ኣእማንን ብኹምራታት ረኸቡ። ሽዑ ኻብ'ቲ ግምጃ ግረተል በጃ-ኽዳና ሃንሰል ከኣ ጁብኡ ክሕዞ ኽንዲ ዝኽእል ሓሓፊሶም ወሰዱ። ሃንሰል ድማ እናሰሓቐ፡ "ጁባኻ ጸጸር ካብ ምምላእ'ሲ ብዓሰርተ ኢድ እዚ ይበልጽ" በለ። ክልቲኦም ተተሓሒዞም ከኣ ኻብ'ቲ ገዛ ወጺኦም ገዛ ኣቦኦም ከናድዩ ተበገሱ።
ንኽልተ ሰዓት ዝኸውን ተጓዒዞም ኣብ መገዶም ሓደ ዓሚቝ ወሓዚ ምስረኸቡ ብኸመይ ከምዝሰግርዎ ሓርበቶም። ግረተል ኣማዕድያ ሓንቲ ደርሆማይ ክትንሳፈፍ ረኣየት'ሞ ብብርቱዕን ምኡዝን ድምጺ፡
ደርሆማይ ኣቲ ብርህቲ ሕብሪ
ንድኻታት ጽቡቕ ግበሪ
ሃንሰልን ግረተልን ሩባ'ሳግሪ
ኢላ ደረፈትላ። እታ ደርሆማይ ናብኣቶም ምስሓምበሰት ሃንሰል ናብ ዝባና ሓዀረ'ሞ ግረተል ምስኡ ኽትድይብ ኢዱ ዘርግሓላ። ንሳ ግና "ክልቴና ኣመና ኽንከብዳ ኢና፤ ንዓኻ ኣሳጊራትካ ምስተመልሰት ንዓይ ተሳግረኒ" በለቶ። እታ ደርሆማይ ድማ ሓደ ድሕሪ ሓደ ናብ ስግር'ቲ ወሓዚ ኣብጽሓቶም። ካብ ደረት ናይ'ቲ ወሓዚ ነዊሕ ኸይከዱ ገዝኦም ኣማዕድዮም ኣለለይዋ።
ግረተልን ሃንሰልን ገዝኦም ምስበጽሑ ኣቦኦም፡ ካብ'ታ ንሳቶም ዝጠፍኡላ መዓልቲ ጀሚሩ ንሓንቲ መዓልቲ ኸይተሓጐሰ፡ ኣብ ገበላ ተዀርምዩ ጸንሖም። ምስረኣዮም ድማ ነጢሩ ሓቔፎም። ሒዝዎም ንገዛ ኣተወ'ሞ ኩሉ ዘጋጠሞም ኣዕለልዎ፡ ንሱ'ውን ብድሕሪኦም ሰይተቦኦም ከምዝሞተት ነገሮም። ሽዑ ግረተል ነቲ ሒዞሞ ዝመጹ ክቡር ኣእማን ነቡኣ ሃበቶ። ሃንሰል'ውን ከምኡ ገበረ። ካብ ሽዑ ንደሓር ከኣ ኩሉ ሽግሮም ኣብቅዐ፤ ብሓጐስ'ውን ሰለስቲኦም ብሓባር ነበሩ።
Comments
Post a Comment