“ማይ ህይወት” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ሓደ እዋን ሓደ ንጉስ ብሕማም ተሰኒፉ ኽመውት ተቓሪቡ ነበረ'ሞ ሰለስቲኦም ደቁ ኣብ ጀርዲን ናይ'ቲ ግምቢ ኾይኖም ይበኽዩ ነበሩ። ሽዑ ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ረኸቦም፡ "ኣቱም ደቂ፡ እንታይ ኮንኩም ኢኹም ትበኽዩ ዘሎኹም፧" ኢሉ ኸኣ ሓተቶም። "ኣቦና ብሕማም ተሰኒፉ፡ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሑ'ሎ። ከድሕኖ ዝኽእል ከኣ ሓንት'ኳ የለን" ድማ በልዎ። ንሱ ኸኣ "ነቦኹም ከድሕኖ ዝኽእል ሓደ ነገር ጥራይ'ዩ ዘሎ። ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት'ዩ። ማይ ህይወት እንተሰትዩ ጥዕንኡ ኽምለሶ'ዩ። ማይ ህይወት ግዳ ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን" በሎም። እቲ ቦኽሪ ወድ-ንጉስ ድማ፡ "ኣነ ብዘይ ውዓል-ሕደር ኽረኽቦ'የ" ኢሉ ናብ ኣቡኡ ኸይዶ ማይ ህይወት ከናድየሉ ኽኸይድ ፍቓድ ሓተቶ። ንጉስ ግና፡ "ኣይፋልካን'ዚ ወደይ፡ እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓደገኛ ጕዕዞ'ዩ። ካብ ንስኻ ኣብ በረኻ ትጠፍኣኒ ክመውት እሕሸኒ" ኢሉ ኣበዮ። መመሊሱ 'ክኸይድ' ኢሉ እናለመነ ዕረፍቲ ምስከልኦ ግና ማይ ህይወት ከናዲ ክኸይድ ፈቐደሉ። ብውሽጡ "ኣነ ማይ ህይወት ኣምጺአ እንተ'ድሒነዮ ልዕሊ ኹሎም ኣሕዋተይ ክሰርዓኒ ኢዩ። ንግስነቱ'ውን የውርሰኒ'ኸውን" ኢሉ እናሓሰበ ድማ ማይ ህይወት ከናዲ ጕዕዝኡ ጀመረ። ነዊሕ መገዲ ምስከደ ምስ ሓደ ጨንጨሮማ ኣብ መገዲ ተራኸቡ። እቲ ጨንጨሮማ ኸኣ፡ "ናበይ'ድኣ ኢኻ ክንድ'ዚ...