Skip to main content

ማይ ህይወት

“ማይ ህይወት” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ።

ሓደ እዋን ሓደ ንጉስ ብሕማም ተሰኒፉ ኽመውት ተቓሪቡ ነበረ'ሞ ሰለስቲኦም ደቁ ኣብ ጀርዲን ናይ'ቲ ግምቢ ኾይኖም ይበኽዩ ነበሩ። ሽዑ ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ረኸቦም፡ "ኣቱም ደቂ፡ እንታይ ኮንኩም ኢኹም ትበኽዩ ዘሎኹም፧" ኢሉ ኸኣ ሓተቶም።
"ኣቦና ብሕማም ተሰኒፉ፡ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሑ'ሎ። ከድሕኖ ዝኽእል ከኣ ሓንት'ኳ የለን" ድማ በልዎ።
ንሱ ኸኣ "ነቦኹም ከድሕኖ ዝኽእል ሓደ ነገር ጥራይ'ዩ ዘሎ። ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት'ዩ። ማይ ህይወት እንተሰትዩ ጥዕንኡ ኽምለሶ'ዩ። ማይ ህይወት ግዳ ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን" በሎም።
እቲ ቦኽሪ ወድ-ንጉስ ድማ፡ "ኣነ ብዘይ ውዓል-ሕደር ኽረኽቦ'የ" ኢሉ ናብ ኣቡኡ ኸይዶ ማይ ህይወት ከናድየሉ ኽኸይድ ፍቓድ ሓተቶ።
ንጉስ ግና፡ "ኣይፋልካን'ዚ ወደይ፡ እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓደገኛ ጕዕዞ'ዩ። ካብ ንስኻ ኣብ በረኻ ትጠፍኣኒ ክመውት እሕሸኒ" ኢሉ ኣበዮ። መመሊሱ 'ክኸይድ' ኢሉ እናለመነ ዕረፍቲ ምስከልኦ ግና ማይ ህይወት ከናዲ ክኸይድ ፈቐደሉ።
ብውሽጡ "ኣነ ማይ ህይወት ኣምጺአ እንተ'ድሒነዮ ልዕሊ ኹሎም ኣሕዋተይ ክሰርዓኒ ኢዩ። ንግስነቱ'ውን የውርሰኒ'ኸውን" ኢሉ እናሓሰበ ድማ ማይ ህይወት ከናዲ ጕዕዝኡ ጀመረ።
ነዊሕ መገዲ ምስከደ ምስ ሓደ ጨንጨሮማ ኣብ መገዲ ተራኸቡ። እቲ ጨንጨሮማ ኸኣ፡ "ናበይ'ድኣ ኢኻ ክንድ'ዚ ትጋልብ፧" ኢሉ ሓተቶ።
እቲ ልኡል ግና፡ "ስለምንታይ እየ'ኸ ንዓኻ ንሓላፍ መገዲ ዝኸዶ ዝሓበርኩ፧" ኢሉ ቍሊሕ ኸይበሎ መገዱ ቐጸለ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ጨንጨሮማ ብኣዘራርባ'ቲ ልኡል ተቘጥዐ፤ ኣብ መገዱ ሕማቕ ክገጥሞ'ውን ተመነየ። እቲ ልኡል ነዊሕ ኸይከደ ብመንጎ ክልተ ጎቦታት ኣብ'ትሓልፍ መገዲ በጽሐ'ሞ መመሊሳ እናጸበበት መጽአት። ኣብ መወዳእታ ድማ ንሱፍ ፈረሱን ክሓልፍሉ ኣብ ዘይክእሉ ቦታ በጽሑ። ክምለስ እንተበለ'ውን ንፈረሱ መጥወዪ ሰኣነሉ፤ ንሱ'ውን ካብ'ቲ ፈረስ መውረዲ ዝኣክል ቦታ ኣይረኸበን። ኣብ'ቲ መንቀራቕሮ ኣብ ፈረሱ ተዓኒዱ ድማ ዝገብሮ ጨነቖ።
እቲ ልኡል ከይተመልሰ ነዊሕ እዋን ሓለፈ፤ እቲ ኻልኣይ ወድ-ንጉስ፡ "ዓቢ ሓወይ ሞይቱ እንተኾይኑ እዚ ንግስነት ኣነ'የ ዝወርሶ" ብምባል ነቡኡ ማይ ህይወት ክደልየሉ ነቐለ።
ንጉስ ግና፡ "ዓቢ ሓውኻ ስኢነ'ስ ዳግም ንዓኻ ኸጥፍእ" ኢሉ ምኻድ ከልኦ። ሕማሙ እናገደዶ ምስመጽአ ጥራይ ድማ ነቲ ካልኣይ ወዱ ክኸይድ ፈቐደሉ።
እቲ ኻልኣይ ልኡል ካብ ግምቢ ኣቡኡ ወጺኡ ነዊሕ መገዲ ምስከደ እቲ ንቦዅሪ ሓዉ ዝረኸቦ ጨንጨሮማ ኣብ መገዲ ረኸቦ'ሞ፡ "ደሓን'ዶ ውዒልካ'ዚ ወደይ፡ ናበይ'ድኣ ኢኻ ክንድ'ዚ ትጋልብ፧" ኢሉ ኸኣ ሓተቶ።
እቲ ልኡል ግና፡ "መን ስለዝኾንካ'የ ዝኸዶ ዝነግረካ፧" ኢሉ ግዲ ኸይገበረሉ ፍጥነት ወሲኹ መገዱ ቐጸለ። እቲ ጨንጨሮማ በዚ ኣዝዩ ሓረቐ፤ ነቲ ልኡል ድማ ሰረዮ። ኢዚ ኻልኣይ ልኡል'ውን ነዊሕ ኸይከደ ልክዕ ከም ናይ'ቲ ዓቢ ሓዉ ኣብ መንጎ ኽልተ ጎቦታት እናጸበበ ኣብ ዝመጽእ ምንቀራቕሮ ተሸኲዑ ተረፈ።
እቲ ማእኸላይ ወድ-ንጉስ ከይተመልሰ ነዊሕ ግዜ ምሰሕለፈ፡ እቲ ጥዕና ናይ ንጉስ ድማ እናንቈልቄለ ምስከደ፡ እቲ ሕሳስ ልደ ልኡል ነቡኡ፡ "ካብ ዝኣተኹ ኣትየ እታ ማይ ከምጽኣልካ'የ" ኢሉ ድሕሪ ብዙሕ እብያ ፍቓዱን ምረቕኡን ተቐቢሉ ፈረሱ ተወጢሑ ተበገሰ። እቲ ጨንጨሮማ ኣብ ምገዱ ምስረኸቦ ድማ ከም ኣመሉ፡ "ብኽንድ'ዚ ጕያ'ስ ናበይ ኮን ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ፧" ኢሉ ጠየቖ።
"ኣቦይ ሓሚሙ ናብ ሞት ቀሪቡ'ሎ፤ ማይ ህይወት ጥራይ'ይ ኽፍውሶ ዝኽእል ስለዝተባህለ ማይ ህይወት ከምጽኣሉ እኸይድ ኣለኹ።" መለሰ እቲ ንእሽቶ ልኡል ፈረሱ ደው እናበለ።
"ማይ ህይወት ኣበይ ከምዝርከብ ትፈልጥ'ዲኻ፧"
"ኣይፋልን"
እቲ ጨንጨሮማ፡ "ዘይከም'ቶም ዕቡያት ናይ ሓሶት ኣሕዋትካ ዝሓተትኩኻ ብትሕትና ስለዝመለስካለይ ዘድልየካ ሓበሬታ ክህበካ'የ። እቲ ማይ ህይወት ኣበይ ከምዝርከብ'ውን ክነግረካ'የ" በሎ፤ "እጢ ማይ ካብ ሓደ ኣብ ዝተስረየ ግምቢ ዝርከብ ፈልፋሊ ኢኻ ትወስዶ። ነቲ ግምቢ ግና ኣነ ሓንቲ ዘንጊ ሓጺንን ክልተ ሕብስትን እንተዘይሂበካ ኽትኣትዎ ኣይኽእልን ኢኻ። ኣብ ኣፍደገ'ቲ ግምቢ ምስበጻሕኻ በታ ዘንጊ ሓጺን ጌርካ ነቲ ማዕጾ ሰለስተ ግዜ ዃሕኵሓዮ፤ ሽዑ ክኽፈት'ዩ። ናብ ውሽጢ ምስኣተኻ ክልተ ኣናብስ ምንጋግኦም ሃህ ኣቢሎም ክጸንሑኻ እዮም። ንነፍስ-ወከፎም እተን ዝሃብኩኻ ሕብስቲ እንተደርቢኻሎም ግና ጸጥ ክብሉ'ዮም። ሽዑ ሰዓት ፍርቂ ለይቲ ኸይደወለት ቀልጢፍካ ኻብ'ቲ ማይ ህይወት ውሰድ። ፍርቂ ለይቲ እንተሓሊፋ፡ እቲ ዝኣተኻሉ ማዕጾ ኽዕጾ ስለዝኾነ ኣብ'ቲ ግምቢ እሱር ክትከውን ኢኻ።"
እቲ ልኡል ነቲ ጨንጨሮማ ኣመስጊኑ ነተን ዘንጊ ሓጺንን ሕብስትን ተቐቢልዎ ናብ'ቲ ዝተሓበሮ ግምቢ ገጹ መገዱ ቐጸለ።
ኣብ'ቲ ግምቢ ምስበጽሐ ከም'ቲ ዝተባህሎ በታ ዘንጊ ሓጺን ጌሩ ሰለስተ ግዜ ዃሕኵሐ'ሞ እቲ ማዕጾ ተኸፍተሉ። ንውሽጢ ምስኣተወ እቶም ክልተ ኣናብስ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ክጓዝሙ ጸንሕዎ፤ እተን ክልተ ሕብስቲ ምስሰንደወሎም ከኣ ሃድኡ። ንዕኦም ሓሊፉ ናብ ሓደ ሓያሎ ልኡላት ብስራይ ኮፍ ኢሎም ደሪቖምሉ ዝነበሩ ዓቢ ኣደራሽ ኣተወ። ካብ ኣጻብዕቲ'ቶም ልኡላት ድማ ቀለቤታት ኣከበ። ኣብኡ ዝጸንሖ ሓደ ሴፍን ገለ ሕብስትን'ውን ተማልአ። ካብ'ቲ ኣደራሽ ቀጺሉ ድማ ናብ ሓንቲ ምልክዕቲ ጐርዞ ዝነበረትሉ ክፍሊ ኣተወ። እታ ጐርዞ ምስረኣየቶ ኣዝያ ትሓጎሰት፡ ሓቚፋ'ውን ሰዓመቶ። ሽዑ ንሳ፡ "ሓራ ኣውጺእኻኒ! ብምልኡ ንግስነተይ ንዓኻ'ዩ። ንዓመታ ኣብ'ዚ እንተተመሊስካ ኸኣ መርዓና ኽጽንበል'ዩ" በለቶ። እታ ፈልፋሊት ማይ ህይወት ኣበይ ከምዘላ ሓቢራ ኸኣ ተፋነወቶ። ፍርቂ ለይቲ ኸይኣኸለ ማዩ ሒዙ ምእንቲ ኽወጽእ እናተሃወኸ ናብ'ታ ፈልፋሊት ገጹ ኸደ። ናብኣ ቕድሚ ምብጽሑ ሓንቲ ጽሩይ ዝተነጽፈ ዓራት ዘሎዋ ክፍሊ ረኣየ'ሞ ደኺሙ ስለዝነበረ ሓንሳዕ ኸዕርፍ ኢሉ ኣብ'ቲ ዓራት ጎቦ ኾነ። ብኡ ኣቢሉ ድቃስ ስለዝጠለሞ ኸኣ ንፍርቂ ለይቲ ርብዒ ጐደል ምስኮነ ተበራበረ። ሽዑ ብጉያ ናብ'ታ ፈልፋሊት ማይ ህይወት ብምኻድ ካብ'ቲ ማይ ኣብ ጥቓኣ ኣብ ዝነበረ ንእሽቶ መትሓዚ መሊኡ ብዘለዎ ሓይሊ ብምጕያይ ሰዓት ኣብ ምእኻሉ ካብ'ቲ ግምበ ወጸ'ሞ እቲ ማዕጾ ዳርጋ ኣብ ሕቝኡ ገም ኢሉ ተዓጽወ።
ነተን ዝወሰደን ማይ ህይወት ሒዙ ንገዝኡ ክኸይድ'ንከሎ ነቲ ጨንጨሮማ ረኸቦ'ሞ ሰላምታ ምስተለዋወጡ እቲ ጨንጨሮማ ነቲ ልኡል ማይ ህይወት ጥራይ ዘይኮነ'ስ ሕብስትን ሴፍን ሒዙ ስለዝረኣዮ "ነዛ ሴፍ ሒዝካ ምምጻእኻ ጽቡቕ ገበርካ፤ ብኣኣ ኣሽሓት ጸላእቲ ኽትምክት ትኽእል ኢኻ። እንተ'ቲ ሕብስቲ ግና ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን" በሎ።
እቲ ልኡል ኣሕዋቱ ገዲፉ ንበይኑ ናብ ኣቡኡ ኽምለስ ስለዘይደለየ፡ "ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋተይ ነቦይ ማይ ህይወት ከምጽእሉ ኢሎም ቅድመይ ካብ ገዛ ምስወጽኡ ኣይተመልሱን። በዚ ኣቢሎም'ዶ ሓሊፎምኻ ይዀኑ፧" በሎ።
"እወ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ጎቦታት ተቐርቂሮም ኣለዉ። ክልቲኦም ኣዝዮም ዕቡያት ስለዝኾኑ ሰርየ ኣብኡ አእትየዮም፡" መለሰ'ቲ ጨንጨሮማ።
እቲ ልኡል ድማ፡ "ሓቢርና ናብ ዓድና ምእንቲ ኽንከይድ'ሲ ልቐቆም" በሎ። እቲ ጨንጨሮማ ግና ነቶም ክልተ ኣሕዋት ክፍንዎም ኣይደለየን፤ ነቲ ሕሳስ ልደ ልኡል ድማ ኣሕዋቱ ክለ'ቆም ከምዘይኮነ ነገሮ። እቲ ልኡል ግዳ ኸይቀበጸ ንሰዓታት ለመኖ።
ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ጨንጨሮማ፡ "በል ተጠንቀቐሎም፤ ኣብ ልቦም ክፉእ ሓሳባት ጥራይ'ዩ ዘሎ" ድሕሪ ምባል ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ኣምጽኣሉ።
ምስ ኣሕዋቱ ምስተራኸበ እቲ ልኡል ኩሉ'ቲ ኣብ ዘጋጠሞ ኣዕለሎም። ከመይ ጌሩ ነቲ ማይ ህይወት ከምዝረኸቦን ሓደ ኹባያ ዝኣክል ከምዘምጽአን፡ ኣብ'ቲ ዝኸዶ ግምቢ ሓንቲ ልእልቲ ከምዝረኸበን ካብ ማሕዩር ከምዘድሓነን፡ ንሳ ንሓደ ዓመት ክትጽበዮ ምዃና፡ ሽዑ ኽምርዓዋ ምዃኑን ምስተመርዓዋ ኸኣ ሓደ ዓቢ ንግስነት ክወርስ ምዃኑን'ውን ነገሮም።
ሰለስቲኦም ኣሕዋት ሓቦርም ንዓዶም ነቐሉ፤ ኣብ መገዶም ድማ ብማእከል ሓደ ምዂናትን ጥሜትን ዝደሃኽ ዝነበረ ንግስነት ይሓልፉ ነበሩ'ሞ እቲ ጥሜት ኣመና ስለዝበርትዐ እቲ ንጉስ'ውን ከይተረፈ ብጥምየት ናብ ሞት ተቓሪቡ ነበረ። ነዚ ምስረኣየ እቲ ንእሽቶ ልኡል ነቲ ንጉስ እተን ካብ'ቲ ግምቢ ዘምጽአን ሕብስትን ሴፍን ሃቦ'ሞ እቲ ንጉስ ካብ'ታ ሕብስቲ ቈሪሱ በልዐ። እታ ሕብስቲ ኸኣ ሽዑ-ንሽዑ ከምዘይተበልዓላ ምልእቲ ኾነት። ደጊሙ በልዐ፤ ሕጂ'ውን መልአት። እቲ ንጉስ ክሳዕ ዝጸግብ ካብ'ታ ሕብስቲ በልዐ'ሞ ነታ ሴፍ ኣልዒሉ ንዓዱ ኽከላኸል ከደ። እቲ ጠምዩ ዝነበረ ህዝቡ ብምልኡ ኻብ'ታ ሕብስቲ ተዓንገለ። እቲ ህዝቢ ምስ ንጉሱ ሓቢሩ ወራሪኡ ምስሰዓረ፡ ኣብ'ታ ኣውራጃ ኸኣ ሰላም ምስሰፈነ እታ ሴፍን ሕብስትን ነቲ ልኡል ሃብዎ'ሞ ምስ ኣሕዋቱ መገዶም ቀጸሉ።
ኣብ ጕዕዝኦም ተወሰኽቲ ክልተ ብዂናትን ጥሜትን ዝዓንዋ ዝነበራ ኣውራጃታት ረኸቡ'ሞ እቲ ንዕሽቶ ልኡል ነታ ሕብስትን ሴፍን ንንጉሳት'ተን ኣውራጃታት ኣለቅሖም። ብጠቕላላ ሰለስተ ንግስነታት ኣድሒኑ ኸኣ ነቲ ካብ ዓዶም ፈልይዎም ዝነበረ ባሕሪ ንምስጋር ምስ ኣሕዋቱ መርከብ ተሳፈረ።
ሐንቲ መዓልቲ ገና በታ መርከብ እናተጓዕዙ'ንከለዉ እቲ ቦዅሪ ልኡል ነቲ ምንኣሱ ንበይኑ፡ "ሓውና ነታ ማይ ህይወት ረኺብዋ'ዩ። ዓዲ ምስኣተና ኸኣ ንሱ'ዩ ነቦና ካብ ዳርጋ ርጉጽ ሞት ከድሕኖ" በሎ።
እቲ ማእከላይ ወድ-ንጉስ፡ "ኣቦና ኸኣ ሽዑ እቲ ንዓና ዝግብኣና ንግስነት ንዕኡ ኸውርሶ'ዩ። ብዘይ ዝኾነ ሃብቲ ኽንተርፍ ኢና" ብምባል መለሰ። ካብ'ዚ ንደሓር ኩሉ ሓሳባቶም ብቕንኢ ዝተመልአ ኾነ። ንሕሳስ ልደ ሓዎም ከመይ ጌሮም ከምዝቐትልዎ'ውን ተዛተዩ። ለይቲ ደቂሱ'ንከሎ ኸኣ ነታ ማይ ህይወት ሒዝላ ዝነበረ ብራሾ ወሲዶም ነቲ ማይ ናብ ካልእ መትሓዚ ብምግምጣል ንዓኣ ብጨዋም ማይ-ባሕሪ መልእዋ።
ገዛ ምስኣተዉ ድማ እቲ ዝነኣሰ ልኡል ናብ ኣቡኡ እናጎየየ ብምኻድ ካብ'ታ ብራሾ ማይ ኣስተዮ። እቲ ማይ ኣዝዩ መሪር ስለዝነበረ ግና ሒደት ካብ'ታ ብራሾ ጥዕም ምሰ'በለ ሕማሙ መሊሱ በኣሶ። እቲ ንጉስ ከም'ዚ ኢሉ'ንከሎ ኸኣ እቶም ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋት መጺኦም፡ "ነቦና ኽትስምሞ ፈቲንካ" ኢሎም ነቲ ሕሳስ ልደ ገሰጽዎ። ሽዑ ነቲ ንጉስ ካብ'ቲ ምስኦም ዝነበረ ማይ ህይወት ኣስተይዎ፤ ብኡ-ንብኡ ኸኣ ጥዕንኡ ተመሓየሸ። ነዊሕ ኸይጸንሐ ልክዕ ኸም'ቲ መንእሰይ'ንከሎ ዝነበሮ ሓይልን ጥዕናን ተሰምዖ።
እቶም ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋት ነቲ ንእሽቶ ሓዎም ከላግጽሉ ኣይደንጐዩን። "እቲ ማይ ህይወት ንስኻ ኢኻ ረኺብካዮ፤ ፍረ-ጻማኻ ግና ንሕና ወሲድናዮ። ብቐደሙ ክትጥንቀቕ ኔርካ። ሓደ ለይቲ ኣብ'ታ መርከብ ደቂስካ'ንከለኻ ነታ ኢና ብራሾኻ ወሲድና፡ ነቲ ማይ ህይወት ገምጢልና ጨዋም ማይ መሊእናልካ። ድሕሪ ዓመት ከኣ ሓደ ኻባና ከይዱ ነታ ልእልቲ ኽምርዓዋ'ዩ። ከተቃልዓና ኢልካ ኣይትሕሰብ። ብቐዳምነት፡ ንጉስ ኣይክኣምነካን'ዩ፤ ብዘይክኡ ድማ ብዛዕባ'ዚ ሓንቲ ቓል'ውን ትኹን እንተ'ምሊቝካ ህይወትካ ኸምትስእና ፍለጥ!" ኢሎም ኣፍረርሕዎ።
ኣቦኦም በቲ ሕሳስ ልደ ወዱ ውዒልዎ ኢሉ ኣሚንዎ ዝነበረ ፈተነ ቕትለት ኣዝዩ ተቘጢዑ ነበረ። ኣማኸርቱ ኣኪቡ ነቲ ጉዳይ ተዛተይሉ'ሞ እቲ ልኡል ብምስጢር ክቅተል ተፈርደ። ሓደ መዓልቲ እቲ ንእሽቶ ልኡል ሃድን ወፈረ፤ እቲ ምስኡ ዝነበረ ሃዳናይ ድማ ቅቐትሎ ካብ ንጉስ ትእዛዝ ተቐቢሉ ነበረ። ኣብ'ቲ ጫካ በይኖም ምስኮኑ ኸኣ እቲ ሃዳናይ ክገብሮ ዘለዎ ኸቢድዎ ኣብ ሓሳብ ተዋሕጠ'ሞ እቲ ልኡል፡ "ናይ ደሓን'ድኣ ዝን ኢልካ፧" ኢሉ ሓተቶ።
"ክገብሮ ዘሎኒ ነገር ኣጨኒቕኒ'ሎ፤ ክነግረካ ግዳ ኣይግብኣንን'ዩ" መለሰ'ቲ ሃዳናይ።
እቲ ልኡል፡ "ዝኾነ-ኾይኑ ንገረኒ" በሎ።
"ኣብ'ዚ በረኻ ኣምጺአ ክቐትለካ'የ ተላኢኸ" ኢሉ ኣዕሚቑ ኣተንፈሰ'ቲ ሃዳናይ።
ሽዑ እቲ መንእሰይ ልኡል ብፍርሒ እናንቀጥቀጠ፡ "በጃኻ ኣይትቕተለኒ፡ ምሕረት እንተጌርካለይ እዚ ክቡር ካባይ ክህበካ'የ" ኢሉ ካብኡ ኣውጺኡ ሃቦ። እቲ ሃዳናይ ብሕልንኡ'ውን ነቲ ልኡል ክቐትሎ ድሉው ስለዝይነበረ ነታ ኻባ ተቐቢሉ ናብ'ቲ ግምቢ ተመልሰ። እቲ ልኡል ከኣ ናብ ውሽጢ'ቲ በረኻ ገጹ ቐጸለ።
ድሕር'ዚ ነዊሕ ኸይጸንሐ፡ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ዝመልኣ ሰለስተ ሰረገላታት ናብ'ቲ ግምቢ መጽኣ። ካብ'ቶም ሰለስተ ንጉሳት ናብ'ቲ ሕሳስ ልደ ልኡል ዝተላእኻ ምዃነን እቶም ዘምጽእወን መልእኽተኛታት ነገሩ። "ነቲ ጸላእትና ዝሰዓረት ሴፍን ህዝብና ዘዐንገለት ሕብስትን ዘለቅሓና ልኡል መርኣያ ምስጋናና'ዩ" ኸኣ በሉ።
እቲ ንጉስ ነዚ ምስረኣየ፡ "እምበኣር እዚ ወደይ'ሲ ዝፈጸሞ በደል የብሉን! ውላደይ ንኸንቱ ቐቲለ" ኢሉ ጐሃየ።
ሽዑ እቲ ሃዳናይ፡ "ጎይታይ፡ ትእዛዝኩም ከተግብር ሕልናይ ስለዘይፈቐደለይ ልኡል ብህይወት'ዩ ዘሎ" በሎ። ንጉስ ድማ ካብ ኣፍልቡ ደንጐላ ዝተላዕለሉ ኾይኑ ተሰምዖ። "ኣብ ልዕሊ ልኡል ተወሲኑ ዝነበረ ፍርዲ ተላዒሉ ኣሎ። ናብ ቤት ኣቡኡ ምስዝምለስ ድማ ንልኡል ዝግባእ ኣቀባብላን ኣተሓሕዛን ክግበረሉ'ዩ" ዝብል ምልክታ ኣብ መላእ ግዝኣቱ ኸምዝተሓላለፍ ገበረ።
እታ ንልኡል ክትምርዓዎ ወጢና ዝነበረት ልእልቲ ካብ ቀጽሪ ግምባ ናብ ውሽጢ ዘእቱ ጽርግያ ብወርቂ ኽልበጥ ኣዘዘት። ነቶም ኣገልገልታ ኸኣ፡ "በቲ ጽርግያ ወርቂ ረጊጹ ናብ'ዚ ግምቢ ዝመጽእ ሰብ ክኣቱ ፍቐድሉ፡ ዝኾነ ካብ'ቲ ጽርግያ ወርቂ ተኣልዩ ንየማን ይኹን ጸጋም ዘበለ ግና እቲ ኣነ ዝደልዮ ሰብ ስለዘይኮነ ናብ'ቲ ዝመጽኣሉ ቦታ ገጹ ስደድዎ" ኢላ ኣዘዘቶም።
እቲ እታ ልእልቲ ነቲ ሕሳስ ልደ ልኡል ክትምርዓዎ ምዃና ዝሓበረቶ ግዜ ምስኣኸለ፡ እቲ ቦዅሪ ወድ-ንጉስ ከም ኣድሓኒኣ ተመሲሉ ኽምርዓዋ ኢሉ ናብ'ቲ ግምቢ ተጓዕዘ። ኣብ'ቲ ጽርግያ ወርቂ ምስበጽሐ ውርቂ ረጊጹ ኽሓልፍ ነብሱ ስለዘይገበረሉ ፈረሱ ጠውዩ ጸጋመ-ጸጋም'ቲ ጽርግያ ወርቂ ሒዙ ናብ'ቲ ኣፍደገ ግምቢ በጽሐ። እቶም ሓለውቲ ግና እቲ ልእልቲ ትጽበዮ ዘላ ሰብ ንስኻ ኣይኮንካን" ኢሎም ናብ'ቲ ዝመጽኣሉ ቦታ ኽምለስ ኣፋነውዎ።
ሽዑ እቲ ኻልኣይ ወድ-ንጉስ ከም'ቲ ኽምርዓዋ ዝመረጸቶ ልኡል ተመሲሉ ኽወስዳ ናብ'ቲ ግምቢ መጽአ። ኣብ'ቲ ጽርግያ ወርቂ በጺሑ ፈረሱ በቲ ጽርግያ ወርቂ ክቕጽል መሓውሩ ሓፍ ምሰበለ፡ ኣብ ውርቂ ፈረስ ከጋልብ ነብሱ ስለዘይገበረሉ ፈረሱ ጠውዩ የማነ-የማን'ቲ ጽርግያ ወርቂ ጌሩ ናብ'ቲ ኣፍደገ በጽሐ። እቶም ሓለውቲ ግና እቲ ልእልቲ ትጽበዮ ዘላ ሰብ ንስኻ ኣይኮንካን" ኢሎም ናብ'ቲ ዝመጽኣሉ ቦታ ኽምለስ ኣፋነውዎ።
ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ብሰንኪ'ቶም ክልተ ኣሕዋቱ ኣብ በረኻታት ዝኽርትት ዝነበረ ንእሽቶ ልኡል ምስ'ታ ልእልቲ ዝገበሮ ቜጸራ ዕለቱ ኸምዝኣኸለ ዘከረ። ናብ'ቲ ግምቢ ተጓዒዙ ኣብ'ቲ ጽርግያ ወርቂ በጽሐ'ሞ ብዛዕባ'ታ ኣዝዩ ናፊቕዋ ዝነበረ ልእልቲ ኽሓስብ ከየስተብሃለ በቲ ጽርግያ ወርቂ ረጊጹ ናብ'ቲ ኣፍደገ ግምቢ በጽሐ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ምዕሩግ ኣቀባብላ ብምግባር ናብ ልእልቲ ኣእተውዎ። "ኣድሓንየይ፡ ጎይታ ኹሉ ግዝኣተይ መጺእኻ!" ኢላ ብታሕጓስ ተቐበለቶ። መርዕኦም ከኣ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ተጸንበለ።
ድሕሪ ድግስ መርዓ እታ መርዓት ነበዓል ቤታ ኣቡኡ ሕድገት ከምዝገበረሉን ዳግም ክርእዮ ኸምዝደልን ነገረቶ። ንሱ ኸኣ ናብ ዓዱ ኸይዱ፡ ክልቲኦም ኣሕዋቱ ኣብ መርከብ ደቂሱ'ንከሎ ኸምዘታለልዎን ሓቂ ኸይዛረብ ከምዘፈራርሕዎን፡ ነቡኡ ገለጸሉ። እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ገበነኛታት ደቁ ኣትሪሩ ክቐጽዖም ምዃኑ ንመርዓዊ ተመባጽዓሉ። እቲ ቦዅሪ ወድ-ንጉስን ምንኣሱን ግዳ እታ ዝቐበርዋ ሓቂ ከምዝተቐልቀለት ምስተረድኡ፡ ኣብ መርከብ ተሳፊሮም ንሓዋሩ ኻብ ግምቢ ኣቦኦም ኣርሒቖም ተሰወሩ።

Comments

Popular posts from this blog

እስራኤል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤልን ሃገራት ምዕራብን ናይ ዳግመ-ምስፋር ውጥን ተደስክል

ኣብ መንጎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እስራኤልን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንገሊኦም ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ገሊኦም ድማ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ከስፍር ዝዓለመ ውዕል ኢዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ምስ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ንኣሽሓት ኣብ ሃገሩ ናይ ምስጓግን ማእሰርትን ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎ ስደተኛታት ናይ ዳግመ-ምስፋር ስምምዕ ኣደስኪሉዎ። ቤንያሚን ናታንያሁ ትማሊ (ሰኑይ) ምሸት ኣብ ፌይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ነጥብታት'ዚ ስምምዕ ደጊመ ክሓስበሉ ምእንቲ፡ ንትግባረ ናይ'ቲ ውጥን ከደስክሎ ወሲነ ኣለኹ" ዝበለ፡ እቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝነግር ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ምስተዘርግሐ ድሕሪ ሰዓታት ኢዩ። ቤት ጽሕፈት'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቐዲሙ 16,000 ስደተኛታት፡ ካናዳ፡ ኢጣልያን ጀርመንን ናብ ዝርከብአን ምዕራባውያን ሃገራት ክሰድድ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ ኔሩ'ዩ። ቤንያሚን ናታንያሁ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ደረጃ ምርድዳእ" በጺሐ ኢሉ። ብመሰረት'ቲ ስምምዕ እስራኤል ናይ ብዙሓት ካብ'ቶም ካልኦት ስደተኛት ኩነታት'ውን ወግዓውነት ከተልብሶ ኢያ። እቲ ውሳነ ግና ብኡ-ንብኡ ነቶም ስደተኛታት ካብ እስራኤል ክወጹ ንዝጠልቡ ኣኽረርቲ ዓቃባውያን ከቘጥዖም እንከሎ፡ ኣባላት'ቲ የማናዊ ሰልፊ ሊኩድን ገለ ካብ ሚኒስተራት ካቢነ ቤንያሚን ናታንያሁን ከምዘይተጸበይዎ ተፈሊጡ። ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ናፍታሊ በነት፡ ብመገዲ ትዊተር እዚ መደብ "ንእስራኤል ናብ ገነት ሰለዅቲ ክቕይራ'ዩ" ብምባል ኣጠንቂቑ። ሓደ ጉጅለ ነበርቲ ናይ'ቲ ብዙሓት ካብ'ቶም ስደተኛታት ዝርከብዎ ደቡብ ተል ኣቪቭ ነቲ ውጥን፡ ...

ዑፍ ወርቂ

“ዑፍ ወርቂ” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ሓደ ንጉስ ኣዝዩ ምልኩዕ ጀርዲን ነበሮ፡ ኣብ ማእኸል'ቲ ጀርዲን ከኣ ወርቂ ቱፋሕ 'ተፍሪ ገረብ ነበረት። አቶም ናይ ንጉስ ሰራሕተኛታት ድማ ነተን ቱፋሕ ምሸት-ምሸት ይቘጽርወን ነበሩ። ዝበስላሉ እዋን ምስቀረበ ለይቲ ለይቲ ሓሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ጐዲለን ይሓድራ ነበራ። እቲ ንጉስ ነዚ ምስሰምዐ ኣዝዩ ሓረቐ፡ ነቲ ዀስኳሳይ ጸዊዑ ድማ ለይቲ-ለይቲ ነታ ገረብ ክሕልዋ ኣዘዞ። እቲ ዀስኳሳይ ድማ ነቲ ዝዓበየ ወዱ ጸዊዑ ነታ ገረብ ኣብ ትሕቲኣ ዀይኑ ኽሕልዋ ለኣኾ። ወዱ ግና ፍርቂ ለይቲ ምስኣኸለ ድቃስ ወሰዶ'ሞ ምስወግሐ ሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ኸምዝጠፍአት ረኣየ። ሽዑ'ቲ ዀስኳሳይ ነቲ ኻልኣይ ወዱ ሓለዋ ክሓድር ሰደዶ። እንተኾነ ግን እዚ'ውን  ፍርቂ ለይቲ ምስኣኸለ ድቃስ ወሰዶ። መሬት ምስወግሐ ሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ከምዝጠፍአት ረኣየ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሳልሳይ ወዲ ዀስኳሳይ መጺኡ፡ "ኣቦ፡ ኣነ ኽሕልዋ'የ፡ ነቲ ሰራቒ 'ኸይረኸብክዎ ፈጺመ ኣይክድቅስን'የ" በሎ፡፡ ኣቡኡ ግና ወዱ ገና ንእሽቶ ስለዝነበረ ዝዀነ ሓደጋ ኸይገጥሞ ፈሪሑ ኣበዮ፡ ድሕሪ ነዊሕ ልመና ጥራይ ድማ ኽሕሉ ፈቐደሉ። እቲ ሕሳስ ልደ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ተሓቢኡ ሓለዋ ወጽአ። ፍርቂ ለይቲ ምስሓለፈ ገለ ድምጺ ሰምዐ'ሞ ቍሊሕ እንተበለ መስ-መስ'ትብል ወርቃዊት ዑፍ ናብኡ ገጻ ኽትነፍር ረኣየ። ኣብ'ታ ገረብ ቱፋሕ በጺሓ ብመትኮባ ገይራ ሓንቲ ቱፋሕ ኽትስሕብ ምስጀመረት ከኣ ብድድ ኢሉ መንትጉ ኣልዒሉ ፍላጻ ወ...

ሃንሰልን ግረተልን

“ሃንሰልን ግረተልን” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣብ ሓደ ገፊሕ ጫካ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ካብ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ዝወለዶም ደቁን፡ ሓደ ፈላጽ-ዕንጨይቲ ይቕመጥ ነበረ። ደቁ ኸኣ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ሃንሰል እታ ምንኣሱ ጓል ከኣ ግረተል ይበሃሉ ነበሩ። ኣዝዮም ድኻታት ስለዝነበሩ እኹል ዝብላዕ ረኺቦም ኣይፈልጡን ኢዮም። ዓዶም ጥሜት ምሰ'ጥቅዖ ኸኣ ኣቦኦም ብጭንቀጥ ከይደቀሰ ይሓድር ነበረ። ንበዓልቲ ቤቱ'ውን ደጋጊሙ "እንታይ ኢና ንገብሮ፧ ንርእስና እኹል ዝብላዕ ዘይብልና'ስ ነ'ዞም ደቅና'ኸ እንታይ ኢና ከነብልዖም፧" ይብላ ነበረ። ሓንቲ መዓልቲ ኸኣ በዓልቲ ቤቱ "ስማዕ በል፡ 'ንገብሮ ባዕለይ ክነግረካ'የ።" በለቶ፤ "ኣንጊህና ተንሲእና ነዞም ቈልዑ ሒዝናዮም ናብ'ቲ ዕሙር ማእከላይ ሸነኽ ናይ'ዚ ጫካ ንኸይድ። ሽዑ ኣብኡ ኽይቈ'ሩ ሓዊ ኣጒድና ናንእሽቶ ቕጫ ሂብናዮም ናብ ስራሕና ንወፍር። መሬት ምስመሰየ ንሕና ገዛና ንኣቱ፡ ንሳቶም ግና ክረኽቡና ስለዘይክእሉ ብኡ ኣቢሎም ይጠፍኡልና፤ ንስኻን ኣነን ድማ ሓራ ንኸውን።" ኣቦኦም ግና ሰንቢዱ፡ "ኣይፋልክን! ደቀይ ኣብ በረኻ ደርብየ ኣይከይድን'የ። ንስኺ'ኸ ነብስኺ ከመይ'ሉ ኽገብረልኪ፧ ኣራዊት በጃጅሎም ክበልዑዎም እንድዮም" ብምባል ኣበያ። ንሳ ኸኣ፡ "በል ነ'ርባዕቴና ሳንዱቕ ሬሳ ስርሓልና፡ ምኽንያቱ ኩልና ንበልዖ ስኢ'ና ኽንመውት ኢና።" ኣናበለት ለይትን...