Skip to main content

ድሙን ኣንጭዋን

“ድሙን ኣንጭዋን” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ።

ሓደ እዋን ድሙ ንኣንጭዋ ኣብ ዘዝረኸቦ ግዜ ኣዝዩ ኸምዘድንቖን ዝፈትዎን፡ ከም ኣዕሩኽ ክልቲኦም ብሓባር ክነብሩ ኸምዝደልን ብተደጋጋሚ ይገልጸሉ ነበረ። ኣብ መወዳእትኡ ኣንጭዋ ነቲ ናይ ድሙ ሓሳብ ተቐበሎ።
"ሓጋይ ምስኣተወ ምእንቲ ኸይንጠሚ ግና ብእዋኑ ንሽዑ ዝኾነና መሓለውታ ቐለብ ክንክዝን ኣሎና" በለ ድሙ። "ብፍላይ ንስኻ መስኪን ኣንጭዋ ዝብላዕ እንተረኸብኩ ኢልካ ናብ'ዝን-ናብ'ትን ክትብል ብመፈንጠራ ኽትተሓዝ ኢኻ፡" ምስወሰኸ ድሙ፡ ክልቲኦም ንሓጋይ ዝኸውን ቀለብ ከቐምጡ መደብ ኣውጽኡ።
ሽዑ ኣንጭዋ ዘለዎ ሓያል ናይ ምሽታት ዓቕሚ ተጠቒሙ ኣብ ሓደ ዝተራሕርሐ ጐጆ ቝራዕ ጠስሚ ረኸበ። ነቲ ጠስሚ ኣበይ ከምዝሓብእዎ ንምውሳን ክልቲኦም ክሳብ ዝደኽሙ'ኳ እንተተመያየጡ ኣብ ሓደ ውሳነ ኽበጽሑ ኣይከኣሉን። ብሃንደበት ሽዑ ድሙ፡ "ዝበለጸ መሕብኢ ቦታ ረኺበ! ካብ ቤተክርስትያን ጠስሚ ዝሰርቕ ዋላሓደ የልቦን" በለ። ነታ ቝራዕ ጠስሚ ናብ ቤተክርስትያን ወሲዶም ከኣ ኣብ ትሕቲ መሰውእያ ኣቐመጥዋ። ሓጋይ ኮይኑ ካልእ ዝበልዕዎ ስኢኖም ኣመና ክሳብ ዝሽገሩ ኸይትንክፍዋ ተሰማሚዖም ከኣ ገዲፎማ ኸዱ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ድሙ፡ "ጓልሓትኖይ ቡናዊ ነጠብጣብ ዘለዎ ጻዕዳ ዕዋል ወሊዳ'ስ ኣባልገ ኽኸውን ሓርያትኒ'ላ። ናብኡ ክኸይድ ስለዝኾንኩ በጃኻ ንሎሚ ገዛ ኣመቱ ግበር" በሎ ንኣንጭዋ።
ኣንጭዋ ኸኣ፡ "ሕራይ ኪድ፡ ገለ ዝብላዕ እንተረኺብካ ግዳ ኣይትረስዓኒ፡" ኢሉ መለሰሉ፤ "ናይ ጥምቀት ቀይሕ ነቢት እንተተማሊእኻለይ ከኣ ዝበለጸ።"
እዚ ኹሉ ግና ሓሶት'ዩ ዝነበረ፤ ድሙ ኣባልግነት ክሕዝ ኣይተሓ'ተን፡ ጓልሓትኖ'ውን ኣይነበረቶን። ንኣንጭዋ ምስተፋነዎ ትኽ ኢሉ ናብ'ቲ ቤተክርስትያን ብምኻድ ተሓቢኡ ነታ ቝራዕ ጠስሚ ወሲዱ፡ ኣብ ሓደ መሽጐራጕር ኮይኑ ኸፊቱ፡ ክሳብ ዝጸግብ ላላዕሊኣ ቐሊጡ በልዓ። ሽዑ ነታ ቝራዕ ናብ ቦትኣ መሊሱ ኸኣ ጻሓዩ እናተጸልወ ጠስሚ መምስዘከረ ከናፍሩ እናልመጸ ናሕሲ-ናሕሲ ኸተማ ኽዛወር ውዒሉ መሬት ምስጸልመተ ግዛ ተመልሰ።
"እንቋዕ ብደሓን መጻእኻ። ጥምቀት ከመይ ሓሊፉ፧"
"ጽቡቕ ውዒሉ፤ ብላዕ-ዎ-ስተ"
"ነቲ ዕዋል'ድኣ መን ኢሎም ሽም ኣውጺኦምሉ፧"
"ቀለጠ!"
"ቀለጠ፧" ሓተተ ኣንጭዋ።
"እወ ቐለጠ!" በለ ድሙ።
"ዘይንቡር ሽም፡ 'ቀለጠ' ኢልካ'ስ ሽም ኣይኮነን። ኣብ ቤተሰብኩም ይዝውተር'ድዩ ኾይኑ፧"
ሽዑ ድሙ ነዲሩ፡ "ሽሙ ንምንታይ የገድሰካ፧ ከም ቘልዑ-ልገኻ 'ለቓምርፍራፍ' ዘይበልዎ'ድኣ ደሊኻ፧" በሎ'ሞ ኣንጭዋ ብኡ-ንብኡ ነቲ ኣርእስቲ ሓደጎ።
ነዊሕ ኸይጸንሐ ድሙ ዳግም ጠስሚ ሃረፈ። ንኣንጭዋ ኸኣ፡ "ሎሚ ኸኣ ኸሸግረካ'የ፡ ጓለኮይ ሓሪሳ ኣላ'ሞ 'ኣባልገ ኹነለይ' ኢላትኒ፤ እቲ ዕዋል ኣብ ዙርያ ኽሳዱ ጻዕዳ ቀለቤት ዘለዎ ስለዝኾነ'ስ ክኣብያ ኣይደለኹን። ስለ'ዚ ሓደራኻ ገዛ ኣባኻ'ዩ" ኢልዎ ኸደ።
ሰላሕ ኢሉ ናብ ቤተክርስትያን ኣትዩ ኸኣ ነታ ጠስሚ ፍርቃ በልዓ። ብውሽጡ፡ "ከም ንበይንኻ ትበልዖ ዝጥዕም'ሲ ይህሉ'ዶ ይኸውን፧" እናበለ፡ ብግብሩ ኸይተጸጸተ፡ ነታ ቝራዕ ከም ቀደማ ኣብ ትሕቲ'ታ መሰውእያ ኣቐሚጥዋ ወጽአ።
ጸሓይ ዓሪባ ድሙ ገዛ ምስኣተወ ኣንጭዋ፡ "ነዚ'ኸ መን ኢሎም'ድኣ ሽም ኣውጺኦምሉ፧" ኢሉ ሓተቶ።
"ኣፋረቐ"
"ኣፋረቐ! ኣፋረቐ ኢልካ'ዶ ሽም ኣሎ'ዩ፧ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ!" በለ ኣንጭዋ።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከምብሓድሽ ድሙ ጠስሚ ዘኪሩ ኣፉ ማይ መልኦ። ሽዑ ንኣንጭዋ፡ "ኩሉ ጽቡቕ ሳልሳይ ኣለዎ፤ ሕጂ ኸኣ ጓለሞይ ኣባልገ ክኾነላ ሓቲታትኒ፤ ክገርመካ ጸሊም ዕዋል'ያ ወሊዳ፡ ብዘይካ ጻዕዳ ግንዑ ምሉእ-ብምሉእ ጸሊም'ዩ። ከም'ዚ ኣብ ብዙሕ ዓመታት ሓንሳዕ ጥራይ'ዩ ስለዘጋጥም'ሲ እንተኸድኩ ቅር ዝብለካ ኣይመስለንን፡ ሓቀይ፧" በሎ። ኣንጭዋ ኸኣ ክኸይድ ኣይተቓወሞን፡ ብትሕቲ መልሓሱ "ቀለጠ፡ ኣፋረቐ፡ እዘን ኣሽማት ጸጸኒሐን የሕስባኒ ኣለዋ። ሕጂ'ኸ መን ክብልዎ'ዮም፧" እናበለ ጥራሕ ንድሙ ኣፋነዎ።
ድሙ ምስከደ ኣንጭዋ ነቲ ገዛ ኣላዒሉ ኣጸራርዩ ወገኖ። ስሱዕ ድሙ ግና ነቲ ጠስሚ ወዲኡ ነታ ቝራዕ ኣልመጻ። ምስ ነብሱ፡ "ዕዮ ይኹን ብልዒ፡ ዅሉ እንተወዲእካዮ ስላም ኢኻ ትረክብ" ኢሉ ምሉእ መዓልቲ ከተማ ኽዛወር ወዓለ። መሬት ምስጸልመተ ጥራይ ከኣ ንገዝኡ ተመልሰ።
ገዛ እትው ምስበለ ኣንጭዋ ተቐዳዲሙ፡ "ሕጂ'ኸ መን ኢሎሞ፧" ኢሉ ሓተቶ።
"እዚ'ውን ከም'ቶም ካልኦት ኣሽማት ኣይክትፈትዎን ኢኻ" መለሰ ድሙ።
አንጭዋ ኸኣ፡ "ደሓን ንገረኒ፡" ብሎ።
"ኣልመጸ" በለ ድሙ።
"ኣልመጸ፧"
"እወ ኣልመጸ"
ኣንጭዋ ሓውሲ ሕርቕ ኢሉ፡ "ኣልመጸ ኢልካ'ዶ ሽም ኣሎ'ዩ፧ እዚ'ሞ ሽም ከምዘይኮነ ርግጸኛ'የ።" ድሙ ሽዑ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ጠመቶ'ሞ ኣንጭዋ ብውሽጡ፡ "ኣልመጸ'ስ እንታይ ማለት እዩ'ኸ፧" እናበለ ተዀርምዩ ደቀሰ።
ብድሕሪኡ ድሙ ኣባልገ ክኸውን ኢሉ ኣይከደን። ሓጋይ ምስኣተወ፡ ኣንጭዋን ድሙን ዝበልዕዎ ምስሰኣኑ ኣንጭዋ ነታ ቝራዕ ጠስሚ ዘኪሩ፡ "ንዓናይ በል ብጻይ ድሙ፡ እታ ንግዜ ጥሜት ዘቐመጥናያ ቍራዕ ነምጽኣያ። ሕጂ ንሳ ጥራይ'ያ ትጠቕመና" በለ። ሽዑ ድሙን ኣንጭዋን ብሓባር ናብ'ቲ ቤተክርስትያን ጸሊቖም ኣትዮም ናብ'ታ መሰውእያ ኸዱ፡ እታ ናይ ጠስሚ ቝራዕ ኣብ'ታ ዘቐመጥዋ ቦታ ነበረት፡ ግና ባዶ'ድኣ ጸንሓቶም።
"ሕጂ ዅሉ በሪህለይ ኣባልገ! እንታይ'ሞ ኽዓብስ! እምበር ናይ ሓቂ ዓርኪ!" በሎ ኣንጭዋ ነዲሩ ንድሙ፤ "ኣባልገ ይኸውን ኣለኹ እናበልካ ኢኻ ወዲእኻዮ። መጀመርታ ለላዕላያ ቐሊጥካያ፡ ቀለጠ! ብድሕሪኡ ፍርቃ ውሒጥካያ፡ ኣፋረቐ! መወዳእታ ኽኣ ልሒስካያ፡ . . ."
"ኣፍካ ሓዘለይ! ሓንቲ ቓል'ሞ ወስኽ ንዓኻ'ውን ክዅልሰካ'የ!" ኢሉ ዀለፎ ድሙ ንኣንጭዋ።
መስኪን ኣንጭዋ ግና እታ ቓል ድሮ ኣብ ኣፉ ስለዝነበረት፡ "ኣልመጸ!" ኢሉ እታ ቓል ከድምጻን ድሙ ፍር ኢሉ ኽበልዖን ከም ሓደ ኾነ።

Comments

Popular posts from this blog

እስራኤል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤልን ሃገራት ምዕራብን ናይ ዳግመ-ምስፋር ውጥን ተደስክል

ኣብ መንጎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እስራኤልን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንገሊኦም ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ገሊኦም ድማ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ከስፍር ዝዓለመ ውዕል ኢዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ምስ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ንኣሽሓት ኣብ ሃገሩ ናይ ምስጓግን ማእሰርትን ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎ ስደተኛታት ናይ ዳግመ-ምስፋር ስምምዕ ኣደስኪሉዎ። ቤንያሚን ናታንያሁ ትማሊ (ሰኑይ) ምሸት ኣብ ፌይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ነጥብታት'ዚ ስምምዕ ደጊመ ክሓስበሉ ምእንቲ፡ ንትግባረ ናይ'ቲ ውጥን ከደስክሎ ወሲነ ኣለኹ" ዝበለ፡ እቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝነግር ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ምስተዘርግሐ ድሕሪ ሰዓታት ኢዩ። ቤት ጽሕፈት'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቐዲሙ 16,000 ስደተኛታት፡ ካናዳ፡ ኢጣልያን ጀርመንን ናብ ዝርከብአን ምዕራባውያን ሃገራት ክሰድድ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ ኔሩ'ዩ። ቤንያሚን ናታንያሁ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ደረጃ ምርድዳእ" በጺሐ ኢሉ። ብመሰረት'ቲ ስምምዕ እስራኤል ናይ ብዙሓት ካብ'ቶም ካልኦት ስደተኛት ኩነታት'ውን ወግዓውነት ከተልብሶ ኢያ። እቲ ውሳነ ግና ብኡ-ንብኡ ነቶም ስደተኛታት ካብ እስራኤል ክወጹ ንዝጠልቡ ኣኽረርቲ ዓቃባውያን ከቘጥዖም እንከሎ፡ ኣባላት'ቲ የማናዊ ሰልፊ ሊኩድን ገለ ካብ ሚኒስተራት ካቢነ ቤንያሚን ናታንያሁን ከምዘይተጸበይዎ ተፈሊጡ። ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ናፍታሊ በነት፡ ብመገዲ ትዊተር እዚ መደብ "ንእስራኤል ናብ ገነት ሰለዅቲ ክቕይራ'ዩ" ብምባል ኣጠንቂቑ። ሓደ ጉጅለ ነበርቲ ናይ'ቲ ብዙሓት ካብ'ቶም ስደተኛታት ዝርከብዎ ደቡብ ተል ኣቪቭ ነቲ ውጥን፡ ...

ዑፍ ወርቂ

“ዑፍ ወርቂ” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ሓደ ንጉስ ኣዝዩ ምልኩዕ ጀርዲን ነበሮ፡ ኣብ ማእኸል'ቲ ጀርዲን ከኣ ወርቂ ቱፋሕ 'ተፍሪ ገረብ ነበረት። አቶም ናይ ንጉስ ሰራሕተኛታት ድማ ነተን ቱፋሕ ምሸት-ምሸት ይቘጽርወን ነበሩ። ዝበስላሉ እዋን ምስቀረበ ለይቲ ለይቲ ሓሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ጐዲለን ይሓድራ ነበራ። እቲ ንጉስ ነዚ ምስሰምዐ ኣዝዩ ሓረቐ፡ ነቲ ዀስኳሳይ ጸዊዑ ድማ ለይቲ-ለይቲ ነታ ገረብ ክሕልዋ ኣዘዞ። እቲ ዀስኳሳይ ድማ ነቲ ዝዓበየ ወዱ ጸዊዑ ነታ ገረብ ኣብ ትሕቲኣ ዀይኑ ኽሕልዋ ለኣኾ። ወዱ ግና ፍርቂ ለይቲ ምስኣኸለ ድቃስ ወሰዶ'ሞ ምስወግሐ ሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ኸምዝጠፍአት ረኣየ። ሽዑ'ቲ ዀስኳሳይ ነቲ ኻልኣይ ወዱ ሓለዋ ክሓድር ሰደዶ። እንተኾነ ግን እዚ'ውን  ፍርቂ ለይቲ ምስኣኸለ ድቃስ ወሰዶ። መሬት ምስወግሐ ሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ከምዝጠፍአት ረኣየ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሳልሳይ ወዲ ዀስኳሳይ መጺኡ፡ "ኣቦ፡ ኣነ ኽሕልዋ'የ፡ ነቲ ሰራቒ 'ኸይረኸብክዎ ፈጺመ ኣይክድቅስን'የ" በሎ፡፡ ኣቡኡ ግና ወዱ ገና ንእሽቶ ስለዝነበረ ዝዀነ ሓደጋ ኸይገጥሞ ፈሪሑ ኣበዮ፡ ድሕሪ ነዊሕ ልመና ጥራይ ድማ ኽሕሉ ፈቐደሉ። እቲ ሕሳስ ልደ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ተሓቢኡ ሓለዋ ወጽአ። ፍርቂ ለይቲ ምስሓለፈ ገለ ድምጺ ሰምዐ'ሞ ቍሊሕ እንተበለ መስ-መስ'ትብል ወርቃዊት ዑፍ ናብኡ ገጻ ኽትነፍር ረኣየ። ኣብ'ታ ገረብ ቱፋሕ በጺሓ ብመትኮባ ገይራ ሓንቲ ቱፋሕ ኽትስሕብ ምስጀመረት ከኣ ብድድ ኢሉ መንትጉ ኣልዒሉ ፍላጻ ወ...

ሃንሰልን ግረተልን

“ሃንሰልን ግረተልን” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣብ ሓደ ገፊሕ ጫካ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ካብ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ዝወለዶም ደቁን፡ ሓደ ፈላጽ-ዕንጨይቲ ይቕመጥ ነበረ። ደቁ ኸኣ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ሃንሰል እታ ምንኣሱ ጓል ከኣ ግረተል ይበሃሉ ነበሩ። ኣዝዮም ድኻታት ስለዝነበሩ እኹል ዝብላዕ ረኺቦም ኣይፈልጡን ኢዮም። ዓዶም ጥሜት ምሰ'ጥቅዖ ኸኣ ኣቦኦም ብጭንቀጥ ከይደቀሰ ይሓድር ነበረ። ንበዓልቲ ቤቱ'ውን ደጋጊሙ "እንታይ ኢና ንገብሮ፧ ንርእስና እኹል ዝብላዕ ዘይብልና'ስ ነ'ዞም ደቅና'ኸ እንታይ ኢና ከነብልዖም፧" ይብላ ነበረ። ሓንቲ መዓልቲ ኸኣ በዓልቲ ቤቱ "ስማዕ በል፡ 'ንገብሮ ባዕለይ ክነግረካ'የ።" በለቶ፤ "ኣንጊህና ተንሲእና ነዞም ቈልዑ ሒዝናዮም ናብ'ቲ ዕሙር ማእከላይ ሸነኽ ናይ'ዚ ጫካ ንኸይድ። ሽዑ ኣብኡ ኽይቈ'ሩ ሓዊ ኣጒድና ናንእሽቶ ቕጫ ሂብናዮም ናብ ስራሕና ንወፍር። መሬት ምስመሰየ ንሕና ገዛና ንኣቱ፡ ንሳቶም ግና ክረኽቡና ስለዘይክእሉ ብኡ ኣቢሎም ይጠፍኡልና፤ ንስኻን ኣነን ድማ ሓራ ንኸውን።" ኣቦኦም ግና ሰንቢዱ፡ "ኣይፋልክን! ደቀይ ኣብ በረኻ ደርብየ ኣይከይድን'የ። ንስኺ'ኸ ነብስኺ ከመይ'ሉ ኽገብረልኪ፧ ኣራዊት በጃጅሎም ክበልዑዎም እንድዮም" ብምባል ኣበያ። ንሳ ኸኣ፡ "በል ነ'ርባዕቴና ሳንዱቕ ሬሳ ስርሓልና፡ ምኽንያቱ ኩልና ንበልዖ ስኢ'ና ኽንመውት ኢና።" ኣናበለት ለይትን...