ሓደ ጓሳ ሱልጣን ዝበሃል እሙን ከልቢ ነበሮ። ሱልጣን ብእርጋን ኣስናኑ ወዲኡ ነበረ'ሞ፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ጓሳን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ገበላ ኮፍ ኢሎም'ንከለዉ፡ "ሱልጣን ካብ ሎሚ ንደሓር ዝገብረልና የብሉን፡ ጽባሕ በረኻ ወሲደ ካብ ስቓዩ ኸናግፎ'የ" በላ።“ኣረጊት ሱልጣን” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ።
በዓልቲ ቤቱ ግና፡ "ሱልጣን ምሉእ ዕድሚኡ ብትግሃት ኣገልጊልና'ዩ። ንሕና ኸኣ ነዘን ተሪፈንኦ ዘለዋ ሒደት ዓመታት ክንከናኸኖ ኣሎና" በለቶ።
"እንታይ ኢና'ሞ ኽንገብረሉ፧ ኣብ ኣፉ ስኒ ዝበሃል የብሉን፡ ሰረቕቲ ኸኣ ግዲ'ኳ ኣይገብርሉን ኢዮም። ግደ ሓቂ ኣገልጊልና'ዩ፡ ግና ዅሉ ንዓና ሓልዩ ኣይኮነን ዝገበሮ፡ ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ኢዩ። በቃ ጽባሕ መዓልቱ እያ። ወሲነ ኣለኹ" በለ።
መስኪን ሱልጣን ኣብ ጥቕኦም ተጋዲሙ ስለዝነበረ ነቲ እቲ ጓሳን በዓልቲ ቤቱን ዝተበሃሃልዎ ዅሉ ሰምዖ። ጽባሕ ኣብ ህይወቱ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኽትከውን ከም'ትኽእል ሓሲቡ ድማ ኣዝዩ ፈርሐ። ንምሸቱ ኸኣ እቲ ኸልቢ ኣብ'ቲ ጫካ ናብ ዝነብር ናይ ቀረባ ዓርኩ ተዅላ ከይዱ ኩነታቱ ገለጸሉ፤ ጎይትኡ፡ እቲ ጓሳ፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ክቐትሎ ከምዝመደበ'ውን ነገሮ።
"ኣይትሸገር ዓርከይ፡" በሎ እቲ ተዅላ፡ "ጽቡቕ ምኽሪ ኽህበካ'የ። ከም'ትፈልጦ፡ እቲ ጓሳን ሰበይቱን ንግሆ-ንግሆ ስራሕ ኽወፍሩ'ንከለዉ፡ ነታ ህጻን ውላዶም ሒዞማ'ዮም ዝኸዱ፤ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ'ቲ ደጐል ኣደቂሶማ ኸኣ ውራይ ስርሖም ይገብሩ። ጽባሕ ንግሆ፡ ትሕልዋ ዘለኻ ተመሲልካ ኣብ ጥቓኣ ጽናሕ፤ ሽዑ ኣነ ኻብ'ዚ ጫካ እናጐየኹ መጺአ ቦግ ኣቢለያ ኽሃድም'የ። ንስኻ ብዝከኣለካ ፍጥነት ኽትጓይየኒ'ሎካ፡ ነታ ህጻን ካብ ኣፈይ ኣውዲቐያ ምስሃደምኩ ኣልዒልካ ናብ ጎይታኻ ትወስዳ። ሽዑ ነታ ህጻን ካብ ሞት ዘድሓንካያ ኽመስሎም ስለዝኾነ ብህይወት ክሳብ ዘለኻ ከመስግኑኻ ክነብሩ'ዮም፡ ክከናኸኑኻ ድማ'ዮም።"
እቲ ኸልቢ ነዚ ናይ ተዅላ ምኽሪ ኣዝዩ ፈተዎ፤ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ'ውን ዓይኑ ኣይሓሰየን።
ንጽባሒቱ እቲ ጓሳ፡ በዓልቲ ቤቱን ህጻን ጓሉን ከልቡን ሒዙ ወፈረ። ሽዑ እቲ ተኵላ ነታ ህጻን ተሰኪምዋ ሃደመ፡ እቲ ጓሳን ሰበይቱን ሰንቢዶም ወጨጩ። ሱልጣን ግና ሽዑ-ንሽዑ ነቲ ተዅላ ኣርኪቡ ነታ ህጻን ናብ ዋናታቱ መለሳ። እቲ ጓሳ ንኸልቡ እናጠብጠቦ፡ ንበዓልቲ ቤቱ፡ "ሎሚ ሱልጣን ንጓልና ኻብ ኣፍ ተዅላ'ዩ ኣውጺእዋ፤ ስለ'ዚ ብህይወት ክሳብ ዝቐጸለ ኸብዱ ጸጊቡ ብምሾት ምሳና ኽነብር'ዩ። ገዛ ኼድኪ ዘዕግቦ ድራር ኣዳልውሉ፡ እታ ኣረጊት መተርኣሰይ ከኣ ምንጸፍ ግበርሉ።" በላ። ካብ ሽዑ ንደሓር ሱልጣን ኵሉ ዝተመነዮን ኪንይኡን ረኺቡ ጥዒምዎ ይነብር ነበረ።
ነዊሕ ኸይጸንሐ ግዳ እቲ ተዅላ መጺኡ ንሱልጣን፡ "እዘን ናይ ዋናኻ ስቡሓት ኣባጊዕ ቃሕ ኢለናኒ ኣለዋ፤ ካብኣተን ሓንቲ ኽወስድ እየ'ሞ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ኹን" በሎ።
እቲ ኸልቢ ግና፡ "ኣይክውዕሎን'የ፤ ንጎይታይ ኣይክሕዶን እየ" ኢሉ መለሰሉ።
እቲ ተዅላ ኸኣ ነቲ ናይ ሱልጣን መልሲ ዋዛ ቘጺርዎ ሓደ ምሸት ካብ'ተ ኣባጊዕ ሓንቲ ምቅርቲ ጕላም ደልዩ መጽአ። ሱልጣን ንዋንኡ ናይ'ቲ ተዅላ መደብ ኣቐዲሙ ነጊርዎ ስለዝነበረ፡ እቲ ጓሳ ኣብ ድሕሪ ማዕጾ ተሓቢኡ ብምጽናሕ እቲ ተዅላ 'ኣየነይተን ትሰብሓለይ' ኢሉ ካብ'ተን ኣባጊዕ እና'ማረጸ'ንከሎ ብጐመድ ደሰቖ። እቲ ተኵላ ኣዝዩ ሓረቐ፤ ንሱልጣን "ኣረጊት ወስላት!" ኢልዎ ሕንኡ ኽፈዲ ምዃኑ ምሒሉ ሃደመ።
ንጽባሒቱ ንግሆ እቲ ተዅላ ብመፍለስ ልኢኹ ንሱልጣን፡ "ጕዳይና መዕረፊ ኽንገብረሉ ኣብ'ዚ በረኻ ኽንጋጠም ምጻእ" በሎ። ሱልጣን ከኣ ተሰማምዐ።
እምበኣር ሱልጣን ብዘይካ'ታ ናይ ዋንኡ ሰልስተ ዘ'እጋራ ድሙ ካልኣይ ዝኾኖ ደጋፊ ኣይነበሮን። ስለ'ዚ ኸኣ ምስኣ ናብ'ቲ ዝተበሃሃልዎ ቦታ ተበገሰ። እታ ድሙ ጐኒ-ጐኑ ተጸጊማ ኢናሓንከሰት ክትከይድ'ንከላ ኸኣ ጭርኣ ንሰማይ ገጻ ጠረው-ጠረው ተብሎ ነበረት።
እቲ ተዅላን መፍለስን ኣቐዲሞም ኣብ'ቲ ዓውዲ ፍልምያ በጽሑ። መጋጥምቶም ካብ ርሑቕ ክመጽኡ ረኣይዎም'ሞ፡ ጭራ ናይ'ታ ድሙ ንላዕሊ ተገቲሩ ምስረኣዩ ንሱልጣን መቃለሲ ዝኾኖ ሴፍ ተሰኪማትሉ ዘላ መሰሎም፤ ሕንክስ ክትብል ምስረኣይዋ ኸኣ ንዕኦም መህረሚ ዝኸውን ኣእማን በብሓደ ትኣሪ ዘላ መሰሎም። ከም'ዚ ዝበለ ግጥም ዘየዋጽኦም ኮይኑ ስለዝተራእዮም ድማ እቲ መፍለስ ብድሕሪ ቘጥቋጥ ተሓብአ፡ ተዅላ ኸኣ ናብ ሓደ ኦም ሓዀረ።
ሱልጣንን እታ ድሙን ናብ'ቲ ቦታ ግጥም ምስበጽሑ ቍሊሕ-ምሊሕ ኢሎም ተዅላ ወይ መፍለስ ኣብኡ ብዘይምርኣዮም ተገረሙ። እቲ መፍለስ ኣካላቱ ምሉእ-ብምሉእ በቲ ቘጥቋጥ ኣይተሓብአን ዝነበረ። ኣእዛኑ ተቐልቂለን ስለዝነበራ ምዕይ ምስበለ ኣእዛኑ ክንቀሳቐሳ ዘስተብሃለት ድሙ ኣንጭዋ ዝረኣየት መሲልዋ ነጢራ ጐበጠቶ። መፍለስ ኣእዛኑ ምስተሓናፈጠን ምስተነኽሰን ነጢሩ ካብ መሕብኢኡ ብምውጻእ፡ "ኣነ ዝበደልክዎ የብለይን፤ እቲ በዓል ነገርኩም ኣብ ላዕሌኹም ኣብ ገረብ ኣሎ" ኢሉ ሃደመ። ድሙን ሱልጣንን ንላእሊ እንተጠመቱ ኸኣ ተዅላ ኣብ ጨናፍር'ታ ኦም ኮፍ ኢሉ ረኣይዎ። ባዕሉ ብሕንከት ወሪዱ ይቕረታ ክሳብ ዝሓትት ከኣ ተጸበይዎ። ብድሕሪኡ እቲ ተዅላ ከም ቀደሙ ናይ ሱልጣን እሙን ዓርኪ ክኸውን ምስተመባጽዐ ጥራይ ከኣ ተፋንዮም ነናብ ቤቶም ከዱ።
Comments
Post a Comment