Skip to main content

Posts

እስራኤል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤልን ሃገራት ምዕራብን ናይ ዳግመ-ምስፋር ውጥን ተደስክል

ኣብ መንጎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እስራኤልን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንገሊኦም ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ገሊኦም ድማ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ከስፍር ዝዓለመ ውዕል ኢዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ምስ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ንኣሽሓት ኣብ ሃገሩ ናይ ምስጓግን ማእሰርትን ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎ ስደተኛታት ናይ ዳግመ-ምስፋር ስምምዕ ኣደስኪሉዎ። ቤንያሚን ናታንያሁ ትማሊ (ሰኑይ) ምሸት ኣብ ፌይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ነጥብታት'ዚ ስምምዕ ደጊመ ክሓስበሉ ምእንቲ፡ ንትግባረ ናይ'ቲ ውጥን ከደስክሎ ወሲነ ኣለኹ" ዝበለ፡ እቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝነግር ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ምስተዘርግሐ ድሕሪ ሰዓታት ኢዩ። ቤት ጽሕፈት'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቐዲሙ 16,000 ስደተኛታት፡ ካናዳ፡ ኢጣልያን ጀርመንን ናብ ዝርከብአን ምዕራባውያን ሃገራት ክሰድድ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ ኔሩ'ዩ። ቤንያሚን ናታንያሁ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ደረጃ ምርድዳእ" በጺሐ ኢሉ። ብመሰረት'ቲ ስምምዕ እስራኤል ናይ ብዙሓት ካብ'ቶም ካልኦት ስደተኛት ኩነታት'ውን ወግዓውነት ከተልብሶ ኢያ። እቲ ውሳነ ግና ብኡ-ንብኡ ነቶም ስደተኛታት ካብ እስራኤል ክወጹ ንዝጠልቡ ኣኽረርቲ ዓቃባውያን ከቘጥዖም እንከሎ፡ ኣባላት'ቲ የማናዊ ሰልፊ ሊኩድን ገለ ካብ ሚኒስተራት ካቢነ ቤንያሚን ናታንያሁን ከምዘይተጸበይዎ ተፈሊጡ። ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ናፍታሊ በነት፡ ብመገዲ ትዊተር እዚ መደብ "ንእስራኤል ናብ ገነት ሰለዅቲ ክቕይራ'ዩ" ብምባል ኣጠንቂቑ። ሓደ ጉጅለ ነበርቲ ናይ'ቲ ብዙሓት ካብ'ቶም ስደተኛታት ዝርከብዎ ደቡብ ተል ኣቪቭ ነቲ ውጥን፡ &
Recent posts

በዓልቲ ዓዓ

“በዓልቲ ዓዓ” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ።  ሓንቲ በዓል ቤታ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝሞታ ኣረጊት ንግስቲ ሓንቲ ምልክዕቲ ጓል ነበረታ። እታ ጓል ንግስቲ ምስዓበየት ድማ ምስ ሓደ ኣብ ርሑቕ ሃገር ዚቕመጥ ልኡል ተሓጽየት'ሞ መዓልቲ መርዓኣ ስለዚቐረበ ናብ ሃገሩ ክትከይድ ትዳሎ ነበረት። ኣዲኣ ኸኣ ነታ ልእልቲ ምስኣ ትወስዶ ብወርቅን ብሩርን ዚተሰርሑ ስልማትን ካልኦት ኣቑሑን፡ ግሩማት ክዳውንትን መናጽፍን፡ ብሓጺሩ ኩሉ ንኽብርቲ ጓል ንግስቲ ዘድልያ ዘብለ ኣዝዩ ክቡር ነገራት ቀረበትላ፤ ንጓላ ኣዝያ ተፍቅራ ስለዝነበረት ከኣ የማነይቲ ኢዳ 'ትኾናን ናብ ኢድ ልኡል 'ተብጽሓን ከዳሚት ሃበታ። ንኽልቲአን ድማ ነናተን ፈረስ ሃበተን። እቲ ናይ ልእልቲ ፈረስ ፋላዳ ዚስሙ ዀይኑ ኪዛረብ ይኽእል ነበረ። ሓንቲ በዓል ቤታ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝሞታ ኣረጊት ንግስቲ ሓንቲ ምልክዕቲ ጓል ነበረታ። እታ ጓል ንግስቲ ምስዓበየት ድማ ምስ ሓደ ኣብ ርሑቕ ሃገር ዚቕመጥ ልኡል ተሓጽየት'ሞ መዓልቲ መርዓኣ ስለዚቐረበ ናብ ሃገሩ ክትከይድ ትዳሎ ነበረት። ኣዲኣ ኸኣ ነታ ልእልቲ ምስኣ ትወስዶ ብወርቅን ብሩርን ዚተሰርሑ ስልማትን ካልኦት ኣቑሑን፡ ግሩማት ክዳውንትን መናጽፍን፡ ብሓጺሩ ኩሉ ንኽብርቲ ጓል ንግስቲ ዘድልያ ዘብለ ኣዝዩ ክቡር ነገራት ቀረበትላ፤ ንጓላ ኣዝያ ተፍቅራ ስለዝነበረት ከኣ የማነይቲ ኢዳ 'ትኾናን ናብ ኢድ ልኡል 'ተብጽሓን ከዳሚት ሃበታ። ንኽልቲአን ድማ ነናተን ፈረስ ሃበተን። እቲ ናይ ልእልቲ ፈረስ ፋላዳ ዚስሙ ዀይኑ ኪዛረብ ይኽእል ነበረ። እዋን ምብጋ

ማይ ህይወት

“ማይ ህይወት” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ሓደ እዋን ሓደ ንጉስ ብሕማም ተሰኒፉ ኽመውት ተቓሪቡ ነበረ'ሞ ሰለስቲኦም ደቁ ኣብ ጀርዲን ናይ'ቲ ግምቢ ኾይኖም ይበኽዩ ነበሩ። ሽዑ ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ረኸቦም፡ "ኣቱም ደቂ፡ እንታይ ኮንኩም ኢኹም ትበኽዩ ዘሎኹም፧" ኢሉ ኸኣ ሓተቶም። "ኣቦና ብሕማም ተሰኒፉ፡ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሑ'ሎ። ከድሕኖ ዝኽእል ከኣ ሓንት'ኳ የለን" ድማ በልዎ። ንሱ ኸኣ "ነቦኹም ከድሕኖ ዝኽእል ሓደ ነገር ጥራይ'ዩ ዘሎ። ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት'ዩ። ማይ ህይወት እንተሰትዩ ጥዕንኡ ኽምለሶ'ዩ። ማይ ህይወት ግዳ ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን" በሎም። እቲ ቦኽሪ ወድ-ንጉስ ድማ፡ "ኣነ ብዘይ ውዓል-ሕደር ኽረኽቦ'የ" ኢሉ ናብ ኣቡኡ ኸይዶ ማይ ህይወት ከናድየሉ ኽኸይድ ፍቓድ ሓተቶ። ንጉስ ግና፡ "ኣይፋልካን'ዚ ወደይ፡ እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓደገኛ ጕዕዞ'ዩ። ካብ ንስኻ ኣብ በረኻ ትጠፍኣኒ ክመውት እሕሸኒ" ኢሉ ኣበዮ። መመሊሱ 'ክኸይድ' ኢሉ እናለመነ ዕረፍቲ ምስከልኦ ግና ማይ ህይወት ከናዲ ክኸይድ ፈቐደሉ። ብውሽጡ "ኣነ ማይ ህይወት ኣምጺአ እንተ'ድሒነዮ ልዕሊ ኹሎም ኣሕዋተይ ክሰርዓኒ ኢዩ። ንግስነቱ'ውን የውርሰኒ'ኸውን" ኢሉ እናሓሰበ ድማ ማይ ህይወት ከናዲ ጕዕዝኡ ጀመረ። ነዊሕ መገዲ ምስከደ ምስ ሓደ ጨንጨሮማ ኣብ መገዲ ተራኸቡ። እቲ ጨንጨሮማ ኸኣ፡ "ናበይ'ድኣ ኢኻ ክንድ'ዚ

ሃንሰልን ግረተልን

“ሃንሰልን ግረተልን” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣብ ሓደ ገፊሕ ጫካ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ካብ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ዝወለዶም ደቁን፡ ሓደ ፈላጽ-ዕንጨይቲ ይቕመጥ ነበረ። ደቁ ኸኣ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ሃንሰል እታ ምንኣሱ ጓል ከኣ ግረተል ይበሃሉ ነበሩ። ኣዝዮም ድኻታት ስለዝነበሩ እኹል ዝብላዕ ረኺቦም ኣይፈልጡን ኢዮም። ዓዶም ጥሜት ምሰ'ጥቅዖ ኸኣ ኣቦኦም ብጭንቀጥ ከይደቀሰ ይሓድር ነበረ። ንበዓልቲ ቤቱ'ውን ደጋጊሙ "እንታይ ኢና ንገብሮ፧ ንርእስና እኹል ዝብላዕ ዘይብልና'ስ ነ'ዞም ደቅና'ኸ እንታይ ኢና ከነብልዖም፧" ይብላ ነበረ። ሓንቲ መዓልቲ ኸኣ በዓልቲ ቤቱ "ስማዕ በል፡ 'ንገብሮ ባዕለይ ክነግረካ'የ።" በለቶ፤ "ኣንጊህና ተንሲእና ነዞም ቈልዑ ሒዝናዮም ናብ'ቲ ዕሙር ማእከላይ ሸነኽ ናይ'ዚ ጫካ ንኸይድ። ሽዑ ኣብኡ ኽይቈ'ሩ ሓዊ ኣጒድና ናንእሽቶ ቕጫ ሂብናዮም ናብ ስራሕና ንወፍር። መሬት ምስመሰየ ንሕና ገዛና ንኣቱ፡ ንሳቶም ግና ክረኽቡና ስለዘይክእሉ ብኡ ኣቢሎም ይጠፍኡልና፤ ንስኻን ኣነን ድማ ሓራ ንኸውን።" ኣቦኦም ግና ሰንቢዱ፡ "ኣይፋልክን! ደቀይ ኣብ በረኻ ደርብየ ኣይከይድን'የ። ንስኺ'ኸ ነብስኺ ከመይ'ሉ ኽገብረልኪ፧ ኣራዊት በጃጅሎም ክበልዑዎም እንድዮም" ብምባል ኣበያ። ንሳ ኸኣ፡ "በል ነ'ርባዕቴና ሳንዱቕ ሬሳ ስርሓልና፡ ምኽንያቱ ኩልና ንበልዖ ስኢ'ና ኽንመውት ኢና።" ኣናበለት ለይትን

ኣረጊት ሱልጣን

“ኣረጊት ሱልጣን” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ሓደ ጓሳ ሱልጣን ዝበሃል እሙን ከልቢ ነበሮ። ሱልጣን ብእርጋን ኣስናኑ ወዲኡ ነበረ'ሞ፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ጓሳን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ገበላ ኮፍ ኢሎም'ንከለዉ፡ "ሱልጣን ካብ ሎሚ ንደሓር ዝገብረልና የብሉን፡ ጽባሕ በረኻ ወሲደ ካብ ስቓዩ ኸናግፎ'የ" በላ። በዓልቲ ቤቱ ግና፡ "ሱልጣን ምሉእ ዕድሚኡ ብትግሃት ኣገልጊልና'ዩ። ንሕና ኸኣ ነዘን ተሪፈንኦ ዘለዋ ሒደት ዓመታት ክንከናኸኖ ኣሎና" በለቶ። "እንታይ ኢና'ሞ ኽንገብረሉ፧ ኣብ ኣፉ ስኒ ዝበሃል የብሉን፡ ሰረቕቲ ኸኣ ግዲ'ኳ ኣይገብርሉን ኢዮም። ግደ ሓቂ ኣገልጊልና'ዩ፡ ግና ዅሉ ንዓና ሓልዩ ኣይኮነን ዝገበሮ፡ ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ኢዩ። በቃ ጽባሕ መዓልቱ እያ። ወሲነ ኣለኹ" በለ። መስኪን ሱልጣን ኣብ ጥቕኦም ተጋዲሙ ስለዝነበረ ነቲ እቲ ጓሳን በዓልቲ ቤቱን ዝተበሃሃልዎ ዅሉ ሰምዖ። ጽባሕ ኣብ ህይወቱ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኽትከውን ከም'ትኽእል ሓሲቡ ድማ ኣዝዩ ፈርሐ። ንምሸቱ ኸኣ እቲ ኸልቢ ኣብ'ቲ ጫካ ናብ ዝነብር ናይ ቀረባ ዓርኩ ተዅላ ከይዱ ኩነታቱ ገለጸሉ፤ ጎይትኡ፡ እቲ ጓሳ፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ክቐትሎ ከምዝመደበ'ውን ነገሮ። "ኣይትሸገር ዓርከይ፡" በሎ እቲ ተዅላ፡ "ጽቡቕ ምኽሪ ኽህበካ'የ። ከም'ትፈልጦ፡ እቲ ጓሳን ሰበይቱን ንግሆ-ንግሆ ስራሕ ኽወፍሩ'ንከለዉ፡ ነታ ህጻን ውላዶም ሒዞማ'ዮም ዝኸዱ፤ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ'ቲ ደጐል ኣ

ድሙን ኣንጭዋን

“ድሙን ኣንጭዋን” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ሓደ እዋን ድሙ ንኣንጭዋ ኣብ ዘዝረኸቦ ግዜ ኣዝዩ ኸምዘድንቖን ዝፈትዎን፡ ከም ኣዕሩኽ ክልቲኦም ብሓባር ክነብሩ ኸምዝደልን ብተደጋጋሚ ይገልጸሉ ነበረ። ኣብ መወዳእትኡ ኣንጭዋ ነቲ ናይ ድሙ ሓሳብ ተቐበሎ። "ሓጋይ ምስኣተወ ምእንቲ ኸይንጠሚ ግና ብእዋኑ ንሽዑ ዝኾነና መሓለውታ ቐለብ ክንክዝን ኣሎና" በለ ድሙ። "ብፍላይ ንስኻ መስኪን ኣንጭዋ ዝብላዕ እንተረኸብኩ ኢልካ ናብ'ዝን-ናብ'ትን ክትብል ብመፈንጠራ ኽትተሓዝ ኢኻ፡" ምስወሰኸ ድሙ፡ ክልቲኦም ንሓጋይ ዝኸውን ቀለብ ከቐምጡ መደብ ኣውጽኡ። ሽዑ ኣንጭዋ ዘለዎ ሓያል ናይ ምሽታት ዓቕሚ ተጠቒሙ ኣብ ሓደ ዝተራሕርሐ ጐጆ ቝራዕ ጠስሚ ረኸበ። ነቲ ጠስሚ ኣበይ ከምዝሓብእዎ ንምውሳን ክልቲኦም ክሳብ ዝደኽሙ'ኳ እንተተመያየጡ ኣብ ሓደ ውሳነ ኽበጽሑ ኣይከኣሉን። ብሃንደበት ሽዑ ድሙ፡ "ዝበለጸ መሕብኢ ቦታ ረኺበ! ካብ ቤተክርስትያን ጠስሚ ዝሰርቕ ዋላሓደ የልቦን" በለ። ነታ ቝራዕ ጠስሚ ናብ ቤተክርስትያን ወሲዶም ከኣ ኣብ ትሕቲ መሰውእያ ኣቐመጥዋ። ሓጋይ ኮይኑ ካልእ ዝበልዕዎ ስኢኖም ኣመና ክሳብ ዝሽገሩ ኸይትንክፍዋ ተሰማሚዖም ከኣ ገዲፎማ ኸዱ። ንጽባሒቱ ንግሆ ድሙ፡ "ጓልሓትኖይ ቡናዊ ነጠብጣብ ዘለዎ ጻዕዳ ዕዋል ወሊዳ'ስ ኣባልገ ኽኸውን ሓርያትኒ'ላ። ናብኡ ክኸይድ ስለዝኾንኩ በጃኻ ንሎሚ ገዛ ኣመቱ ግበር" በሎ ንኣንጭዋ። ኣንጭዋ ኸኣ፡ "ሕራይ ኪድ፡ ገለ ዝብላዕ እንተረኺብካ ግዳ ኣይትረስዓኒ፡" ኢ

ዑፍ ወርቂ

“ዑፍ ወርቂ” ካብ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ናይ’ቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ኽፍለ-ዘመን ብያኮብ ግሪምን ቪልሀልም ግሪምን ዝተሰነደ ጽው-ጽዋታት ኣውሮጳውያን ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት ሓጻር ዛንታ ኢያ። ሓደ ንጉስ ኣዝዩ ምልኩዕ ጀርዲን ነበሮ፡ ኣብ ማእኸል'ቲ ጀርዲን ከኣ ወርቂ ቱፋሕ 'ተፍሪ ገረብ ነበረት። አቶም ናይ ንጉስ ሰራሕተኛታት ድማ ነተን ቱፋሕ ምሸት-ምሸት ይቘጽርወን ነበሩ። ዝበስላሉ እዋን ምስቀረበ ለይቲ ለይቲ ሓሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ጐዲለን ይሓድራ ነበራ። እቲ ንጉስ ነዚ ምስሰምዐ ኣዝዩ ሓረቐ፡ ነቲ ዀስኳሳይ ጸዊዑ ድማ ለይቲ-ለይቲ ነታ ገረብ ክሕልዋ ኣዘዞ። እቲ ዀስኳሳይ ድማ ነቲ ዝዓበየ ወዱ ጸዊዑ ነታ ገረብ ኣብ ትሕቲኣ ዀይኑ ኽሕልዋ ለኣኾ። ወዱ ግና ፍርቂ ለይቲ ምስኣኸለ ድቃስ ወሰዶ'ሞ ምስወግሐ ሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ኸምዝጠፍአት ረኣየ። ሽዑ'ቲ ዀስኳሳይ ነቲ ኻልኣይ ወዱ ሓለዋ ክሓድር ሰደዶ። እንተኾነ ግን እዚ'ውን  ፍርቂ ለይቲ ምስኣኸለ ድቃስ ወሰዶ። መሬት ምስወግሐ ሓንቲ ወርቂ ቱፋሕ ከምዝጠፍአት ረኣየ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሳልሳይ ወዲ ዀስኳሳይ መጺኡ፡ "ኣቦ፡ ኣነ ኽሕልዋ'የ፡ ነቲ ሰራቒ 'ኸይረኸብክዎ ፈጺመ ኣይክድቅስን'የ" በሎ፡፡ ኣቡኡ ግና ወዱ ገና ንእሽቶ ስለዝነበረ ዝዀነ ሓደጋ ኸይገጥሞ ፈሪሑ ኣበዮ፡ ድሕሪ ነዊሕ ልመና ጥራይ ድማ ኽሕሉ ፈቐደሉ። እቲ ሕሳስ ልደ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ተሓቢኡ ሓለዋ ወጽአ። ፍርቂ ለይቲ ምስሓለፈ ገለ ድምጺ ሰምዐ'ሞ ቍሊሕ እንተበለ መስ-መስ'ትብል ወርቃዊት ዑፍ ናብኡ ገጻ ኽትነፍር ረኣየ። ኣብ'ታ ገረብ ቱፋሕ በጺሓ ብመትኮባ ገይራ ሓንቲ ቱፋሕ ኽትስሕብ ምስጀመረት ከኣ ብድድ ኢሉ መንትጉ ኣልዒሉ ፍላጻ ወ